“ኣባላት መበል 35 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም” ክብላ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ብዘይሕንከት ኣቃሊሐን። ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ንዝተዋህቦም ግዱድን ዘይተወዳዳሪን ትምህርቲ ብሽቚረራ ዛዚሞም ዘለዉ ነኣሽቱ መንሰያት፣ “ጎኒ ጎኒ ኣከዳምያዊ ትምህርቶም ብኣእምሮን ኣካልን ኪበስሉ ተገይሩ” ክብላ እየን እተን ማዕከናት ዜና ንመግለጺ ዳይረክተር ቤትትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ጠቒሰን ኣቃሊሐን።
ናብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ -ሳዋ ዝወርዱ ተመሃሮ ምስ ዘይእኹል ቊጽሪ መምሃራን ፥ ትሑት ቀረባት ናውቲ ትምህርቲ፥ ከምኡ`ውን ምስ ቀጻዒ ወተሃደራዊ ምሕደራ እናተቓለሱ ዝረኽብዎ መጠን ፍልጠት ኣዚዩ ትሑት ምዃኑ ከይኣክል፥ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንኽሰግሩ ዝወሃቦም መልቀቒ ፈተናታት እውን ነቲ ዘኻዕብትዎ ፍልጠትን ዓቕምን ኣብ ግምት ዘየእተወን፡ ኣዚዩ ትሑት ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ ውትህድርና ከምርሑ ዝደፍእን ኮይኑ`ዩ ዝቐርብ።
ኣብ 2002 ዝተመስርተ ቤ/ት ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ቀጥታዊ ነጸብራቕ`ቲ ብዂር ስርዓተ ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ መጻኢ መንእሰያት ኣጸልሚቱ ንጉልበታዊ ምዝመዛኦም ባይታ ኣብ ምንጻፍ ዝጽዕት ዘሎ ትካል እዩ ።
ብኽኢላታት ስነ-ትምህርቲ ዘይኮነ ብፖለቲካውያን ካድራት ተነዲፎም ኣብ ክውንነት ከይረዓሙ ብሓይሊ ንምስግዳዶም ዝጸዓር ተቐያየርቲ ስርዓታት-ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ ሃስያኦም እናሓደረ ይብእስ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ዝተወደነ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ትሕተ ቅርጺ ከይወነነ ፡ መምርሒታትን ትግባሬኦምን ጥራይ ዝግድድ ስርዓተ-ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብቑዕን ምስ ምዕባሌታት ዝኸይድን ዓቕሚ ሰብ ካብ ምፍራይ ቦዂሩ ከምዝርከብ ዝጠቕሱ ምንጭታትና ፥ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ እናሻዕ ዝምዝገብ ዘሎ ድኻማት ቀጥታዊ ኣብነት ከምዝኾነ የረድኡ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ ኣባላት ጸጥታ ተሓጋጊዙ ነቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ብተደጋጋሚ ምውራድ ዝኣብዩ መምሃራን ብምጥቋም ከካብ መንበሪኦም ንምልቃም ብቐጻሊ ኪሰርሕ ከምዝርአ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መምሃራን መቚሕካን ገዲድካን ፍልጠትን ብቕዓትን ተማሃራይ ከተበርኽ ግን ዝከኣል ኣይኮነን።