ኢትዮጵያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ 60 ሚልዮን ኤሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኪትረክብ ምዃና፣ ወኪል እቲ ሕብረት ኣብታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ሓገዝ፣ ብኲናትን ደርቅን ንዝተሃስዩ ዜጋታትን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ዝዉዕል ከምዝኾነ እዩ እቲ ወኪል ዝጠቅስ።

እዚ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ኣካል ናይቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ንምብዳህ ሕጽረት መግቢ ፣ ድሕነት ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ፣ ትምህርቲ፣ ከምኡ’ዉን ቅድመቅርርብ ባይርያዊ ሓደጋ ንምዉሓስ ንሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀሪብዎ ዘሎ 331 ሚልዮን ኤሮ እዩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ጉዳይ እቶም ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝበሃሉ በደላት ፍትሒ ከይተረኽበሎም ምስ ኢትዮጵያ ኣዛሕቲልዎ ዘሎ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ዝምድና ናብ ንቡር ክመልሶ ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ክሕብር ጸኒሑ እዩ።

እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ደዉ ክብል ሓያለ ዲፕሎማስያውን ቊጠባዊን ጸቕጥታት ኪገብር ዝጸንሐ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ብፍላይ ነቲ ኢትዮጵያ ካብኡ ዓመታዊ እትጽበዮ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ደገፋት ኣደስክልዎ ምጽንሑ ይንገር።

ካብቶም ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሎም ነጥብታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዳግም ኪጅምሩን ኣብቲ ኲናት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝሕተቱ ናብ ሕጊ ኪቀርቡን ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ባይታ ክምስከሩ ብቐዳምነት ከምዘገድስዎ ዝገልጽ እቲ ሕብረት፡ ተግባራዉነት እቶም ነጥብታት ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ክሕደስ ዝድለ ዝምድና ወሰንቲ ምዃኖም እዩ ዝሕብር ።

ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናት ክምርመሩን ተሓተቲ ናብ ሕጊ ኪቐርቡን ዝብል ነጥቢ ሓደ ካብቶም ንተግባራዉነት ብዝምልከት ኣካታዕቲ ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ ነጥብታት ኮይኑ ምህላዉ እዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝሕብሩ። ቀዲሞም ኪወጽኡ ዝጸንሑ መርመራታት፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ከምዝፈጸሙ ዘመልክቱ እዮም።

ኣብ ዝሓልፈ ዓመተ 2021 ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛይድ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት ንምግታእ ዘነይት ስራሕ ከምዘይተዓመ ድሕሪ ምዉቃስ፡ ነቲ ግህሰት ንምግታእ ዘኽእል ስጒምቲ ኽትግበር ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጠለብ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓርን ዓፋርን ንዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እተጻሪ ብሰለስተ ኣባላት ኣትምራሕ ኣህጉራዊት ኣካል ኽትቀዉም ኣብ ዝሓለፈ 17 ታሕሳስ 2021 ምዉሳኑ ይዝከር።