ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ከምኡ’ዉን ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊን ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝወፍሩ ወገናት ተሪር መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም። ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ እዋናዊ ጸብጻብ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ምዉቓዕ ዕዳጋን ዝቕባበ ሃገራዊ ባጤራን ዝለዓለ ኢድ ይጻወትን ብልሽዉና የሳዕርርን ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መሪሕነትን ምሕደራን መንግስታዉያንን ብሕታዉያንን ትካላት ዝነጥፉ ዜጋታት ከምኡ’ዉን ወጻእተኛታት ፡ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ይሳተፉ ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ነዚ ኣደብ ንምትሓዝ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተሪር ስጒምቲ ሰሪዑ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ብናይ ገያሾ ቪዛን ካልእ ሕጋዊ መንገዲታትን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ገለ ወጻእተኛታት ንቚጠባ እታ ሃገር ኣብ ዘዳኽም ገበናት ይወፍሩ ምህላዎም ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ስለያን እታ ሃገር ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ከሲሱ ነይሩ።

እቶም ምሕጻብን ምትምያንን ባጤራ ዶላር ዝወፍሩ ገበነኛታት ዜጋታት ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ካብ ምጥቃስ ዝተቘጠበ እቲ ሓይሊ ዕማም ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ብዘካየዶ ተፍትሽ ጥራይ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ምሕጻብን ምትምያንን ባጤራ ፣ ከምኡ’ዉን መሸጣ ረቀቕቲ ብረት ክነጥፉ ረኺበዮም ዝበሎም ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ተጣሪዑ ናብ ኣሻቓሊ ዝቕባበ ዝንቈት ዘሎ ቊጠባኡ ንምህዳእ ፣ ኣብ ኢድ ዉልቀሰባትን ትካላትን ክተሓዝ ንዝፍቐድ ገንዘብ ከምዝመጠነ፣ ብዶላር ናይ ዝሽመቱ ኣቚሑ ድማ ዝርዝራዊ ቀይዲ ከምዝሰርዐ ይፍለጥ።
መጠን ሸርፊ ዶላር ዘይንቡር ብኣዝዩ ኣሰካፊ ናህሪ ይዓርግ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ነቶም ኣብ ሓዋላን ሸርፊን ዝነጥፉ ዉልቀሰባት ኣብ ምቊጽጻር ይሽገር ከምዘሎ ይንገር።