ንህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ናይ ምዉጻእ ዉሳኔ ፓርላማ ኢትዮጵያ ስዒቡ፣ ምስ’ኡ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ልዕሊ 62 ላዕለዎት ኣባላት እቲ ዉድብ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ክሲ ክለዓል ከምዝመረጸ ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ገሊጹ። ኣብ ትሕቲ ስም ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተሰኒዱ ዝጸንሐ እቲ ክሲ ፣ ንሲቪላዉን ወተሃደራዉን መዝነት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዝዓሙ ዝነበሩ 62 ላዕለዎት ኣባላት ዝተመስረተ ምንባሩ ይዝከር።

ፈደራላዊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ፣ ብመሰረት ዉዕል ፕሪቶርያ ናይሮቢ ፡ ክሲ እቶም ሰብስልጣን ኣብ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ክርአ ኣስራሒ ኮይኑ ስለዝተሰምዖ ናብቲ ዉሳኔ ምብጽሑ ገሊጹ ኣሎ።
ገካብቶም ክሲ ተመስሪትሎም ዝነበረ’ሞ ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ኣትይሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ገለ ኣባላት ህወሓት ኣብዚ ግዜ እዚ ይፍትሑ ምህላዎም እዉን ይፍለጥ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ ንቐጻልነት ህወሓት ስቡሕ ባይታ ዝፈጥር እዩ ኢሉ ከማርር ዝጸንሐ ህግደፍ ፣ በቲ ፈደራላዊ ኢትዮጵያ ንህወሓትን ኣባላቱን ዘዛይዶ ዘሎ ምዝላቕ ቀይድታት ኣጸቢዑ ይበርሃሉ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኣብ ሞንጎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝገዝፍ ዘሎ ምርሕሓቕ ናህሩ ክዉስኽ ምዃኑ እዮም ዘተንብሁ።

ህግደፍ ንምዕባለታት ትግባሬ መስርሕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይሮቢ ኣመልኪቱ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ምህላዉ እዉን፣ ክሳዕ ክንደይ በቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ኣባላቱን ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝግበር ዘሎ ሓለፋታት ቀርሒኑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።
ንህወሓት ካብ ፖለቲካ ትግራይ ንምርሓቚ ሓሊኑ ዝነበረ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኮይኑ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣቶ ጌታቸዉ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምምራጹ ብፍጹም ኣይተዋሕጠሉን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ህወሓት ይደናገጽን ፣ ንኤርትራ ዘስግኡ ኣማራጺታት ክወስድን ይርአ ከምዘሎን ፡ ህግደፍ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራቱ ምኽሳስ ካብ ዝጅምር ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ። ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ህግደፍ ፣ ነቲ ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከመስክሮ ዝሕልን ዘሎ ርኡይ ዕብለላ ኣመኽኒየን፣ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ኣብ ራሕቂ ኮይኑ ይደጋገፍ ኣሎ ዝብል ክሲታት እንዳንቀላ እየን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ስግኣት ዝጉስጉሳ ዘለዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣረጋጊጽዎ ዝጸንሐ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ጽልዋ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ዝኸሰረ ህግደፍ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ፈጽሚ ከይርከቦ ምስ ሓይልታት ኣምሓራን ከም ደ.ም.ህ.ት ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ብምስጢር ምድግጋፍ ከምዘየቋረጸ እዉን ክሕበር ጸኒሑ እዩ።