ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፣ ኣብ’ተን ዝነብሩለን ሃገራት ናብ ዝርከቡ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ሱዳን ብምምራሕ ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ዝወርድ ዘሎ ቀይዲ ዘይብሉ በደላት ዱዉ ክብል ክጽውዑ ፣ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ንዝመጽእ ዘሎ ርይቶታት ህዝቢ መርኩስ ብምግባር ደጊሞም ጸዊዖም።

ደቈም ኣብ ሱዳን ዝእሰርዎምን ዝጋፍዕዎምን ዘለዉ ወለዲ ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ንዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝሰድዎም ዘለዉ መልእኽታት ፣ ኤምባሲ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደል ደዉ ክብል ዘይኮነ ንምብኣሱ ከምዝሰርሕ ብምዝኽኻር ፣ እቶም ስደተኛታት ተስፋኦም ካብ ድምጺ’ቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ስደት ዝርከብ ወገኖም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ስደት ዝነብር ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ጸገም ንዝወድቊ ኣሕዋቱ ደዉ ኢሉ ድምጹ ምስማዕ ባህሉ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ወለዲ፣ እዚ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ጥራይ ተለሚዱ ዘሎ ማእሰርቲን ገንዘባዊ ምዝመዛን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ደዉ ንኽብል ዝተወደቡ ሰለማዊ ሰልፍታት ምጽዓቕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራ ብሓፈሻ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተንቀሳቐስቲ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ቀይዲ በቲኹ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንማሕበረሰብ ዓለም ከእውዩልዎም ሓያለ ወገናትና ካብ ከተማ ካርቱም ብዘይምቁራጽ መልኽትታት ይሰዱልና ምህላዎም ይፍልጥ።
ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተዓስቡ ተሓባባበርቲ ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ገዛ ገዛ እንዳእኣተኻ ዝካየድ ዘሎ ምልቃም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብመሪሕነት ይዋስኡ ብምህላዎም ፣ እቲ ጸገም ብዝበኣሰ መልክዑ ክቕጽል ጌሩ ኣሎ።

ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኮይኖም ኣብ ምእሳር ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወፊሮም ዘለዉ ልኡኻት ኤምባሲ ህግደፍ ፡ ዝተኣስሩ ኣሕዋቶም ንመልቀቒ ካብ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ተቘራጺ ይሕሰበሎም ከምዘሎ እዉን ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሮም እዮም።

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን መንሰያት ኪህሉ ኣመና ዘስግኦ ጉጅለ ህግደፍ፣ ምስ መንግስታትን ሰብመዚ ጸጥታን እተን ሃገራት እንዳተሻረሐ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም መንሰያት ቀጻሊ ራዕዲን ጸቕጢን ከምዝህሉ ጌርካ ኣርሒቖም ኪስደዱ ንምግዳዶም ብቐጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።