ህዝቢ ነቶም ቅድሚ 7 ዓመት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ጸሓይ ቀትሪ ብኣባልት ጸጥታ ህግደፍ ዝተቐትሉ 15 መንእሰያት ዘኪሩ ።

ኣብ 3 ሚያዝያ ናይ 2016 ፡ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኮርመናዕ ብመንገዲ ከተማ ኣስመራ ኣቢሎም ናብ ዓሰብ ዝሰግሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ንጹሃት መንእሰያት ብዝወሰድዎ ብረታዊ ስጒምቲ ህይወት 15 ሰባት ዝጠፈኣላ ጸላም ዕለት ምዃና ኣይርሳዕን።

እቶም ቅድሚ 7 ዓመት ናይ’ዛ ዘለናያ ወርሒ ሚያዝያ ብረታዊ ስጒምቲ ዝተወስደሎም መንእሰያት ፡ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገር ተገፊፎም ናብ ኮርመናዕ ዝተወስዱን፡ ከባቢ ዓሰብ ናብ ዝርከብ ኪሎማ ዝተባህለ ቦታ ክሰግሩ ኣብ ከባቢ ኣባሻውል ናይ ከተማ ኣስመራ ምስ በጽሑ ካብ ተጻዒኖሙለን ዝነበሩ መካይን ከምልጡ ኣብ ዝሃቀኑሉ እዋን ተዂሲ ዝተኸፈተሎም እዮም ።

ኣብ’ቲ ፍጻሜ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ግፍዕታት ብምቅዋም ኣብ ልዕሊቶም ብበትሪ ንመንእሰያት ዝገርፉ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ አእማን ክድርብይ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ኣዛዚ ናይቶም ሓለውቲ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ንኽብትን ቶኽሲ ብምኽፋት ክልተ ሰባት ከምዝቐተሉ’ውን ኣይርሳዕን።