ህግደፍ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ከዉፍሮም ጀሚሩ ዘሎ ሰሚናራት ፣ መሰረታዊ ዕላማኦም ገንዘበዊ ምዝመዛ ጥራይ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ስደት ኮይኑ ግዳይ ቀጻሊ ምዝመዛታት ህግደፍ ዝኸዉን ዘሎ ሰዓቢ ፣ ብናይ ሓሶት መብጸዓታት ጉጅለ ህግደፍ ተታሊሉ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኪገብሮ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ባይታ እንታይ ፍረ ተረኺብዎ ኢሉ ከገናዝብ ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፣ እዞም ህግደፍ ብመንገዲ ኤምባሲታቱን ቆንስላቱን ብሰሜን ኣመሪካ ጀሚርዎም ዘሎ ልሙዳት ተዋስኦታት ልዕሊ ካልእ እዋን ኪጎርሓሎም ጸዊዖም።
ህግደፍ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ዘደፋንቚ ምኽኒታት እንዳመስርሐ ፣ ኣብ ምጭፍላቕን ምጩቋንን እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ዘዉዕሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኽዕባት ጀሚርዎ ዘሎ ወፍሪ ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣምሪካን ካልኦትን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪቃለስዎ ከምዝግባእ እዉን እቶም ምንጭታት ደጊሞም ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ወገኑ ዘለዎ ሻቕሎት መዝሚዝካ ልዑል ገንዘብ ንምምንዛዕ ብህግደፍ ተሓንጺጾም ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ምድላዋት ክግበረሎም ዝጸንሑ ጐስጓሳትን ህዝባዊ ሰሚናራትን ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኪካየዱ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ብዝብል ምስምስ ገንዘብ ኪዋጽኣሎም ይኽሉ እዮም ዝተባህሉ መዝመዝቲ ሸነኻት ከወዓዉዓ ተነጊረወን ዘሎ እተን መሓዉራት ህግደፍ፣ ድሮ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተቓንዐ ሰሚናር ፡ ንመግዝኢ ሕማማት መንሽሮ እተለሊ መሳርሒት ብዝብል ካብ ተሳተፍቲ ገንዘብ ኪእከብ ከምተራእየ ተሓቢሩ እዩ።
ኤምባሲታት ህግደፍ ፣ መንግስቲ ገዚፍ ዳግመ ህንጻዊ መደብ ወጢኑ ኣሎ ብዝብል ምስምስ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምእካብ ናይ ጎስጓስ ምድላዋት ይገብራ ከምዘለዋ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ምሕባሮም ኣይርሳዕን።
እተን ድሕነትን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራዉያን ከዉሕሳ ዝጽገማ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምንጣል ጥራይ ዝቐለን ኤምባሲታትን ቆንስላትን ፡ ኤርትራ ደጊም ካብ ስግኣት ወያነ ስለዝወጸት ህግደፍ ገዚፍ ሃገራዊ ልምዓታዊ ተሃድሶን ማሕበራዊ ሕዉየትን ወጢኑ ከምዘሎ እንዳጎስጎሳ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ከዉፊ ናይ ዘመተ መደባት ሰሪዐን ምህላወን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኔሮም ።
እተን ኢምባሲታት ቀጻሊ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ምስ ህዝቢ ከካይዳ፣ ብዛዕባ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ሓሶት መደባት ከውዓዉዓ፣ ድሕሪ ደጊም ህግደፍ ራህዋን ጥዑም መነባብሮን ህዝቢ ንምርግጋጽ ጥራሕ ከምዚጓየ ኽሰብካን ካልን ዝብሉ ትእዛዛት ስራሕ ተዋሂቡወን ክዳለዋ ምጽንሐን ሓቢርና ኢና።
ህግደፍ ንህዝቢ ብሓሶት ንምጥባር ከምልሙድ ኣብ ባይታ ኪህልዉ ዘይኮኑ መደባትን ተስፋታትን ብመንገዲ ናይ 03 ኣሃዱታቱ ክነዝሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ኪሕበር ቀኒዩ እዩ።
ሰራዊት ናይ ምጥያስ ገዚፍ መደብ፣ ደሞዝን መነባብሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ፣ ወፍሪን ንግዲን ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ንዝርከቡ ዜጋታት ክፉት ምግባር፣ ምህናጽ ኣባይቲን ዳግመ ምጅማር ምዕዳል መሬትን፡ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብን ናብን ሃገር ምርግጋጽን ካልን ዝብሉ ሓያለ ልሙዳት መብጸዓታት ገለ ካብቶም ብኣሃዱታት 03 ዝንዝሑ ዘለዉ ምዃኖም እዉን ተሓቢሩ እዩ።