ንላዕለዎት ሰብስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ገዘፍቲ ትካላቶምን ገንዘባዊ ፈተሻ ኪገብር ስልጣን ዝተኸልአ ቤትጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ገምጋሙ ፣ እተን ኦዲት ኪግበረለን ጥራይ ዝፍቀድኦ ትካላት ብዛዕባ ዘመዝገብኦ ኣታዊታትን ወጻእኢታትን ካብ ምጽብጻብ ሓሊፉ ፣ ብዛዕባ እቲ ካብ ባህርያዊ ጸጋታት ሃገር ዝድለብ ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ዝኾነ ኣርእስቲ ወይ ኣሃዝ ከልዕል ኣይተሰምዐን።

ኣብ ሕሳባት ባንክታት ስግር ባሕሪ ገንዘቦም ናይ ዝኽዝኑ ሰብስልጣን ህግደፍ ጉዳይ ቁሊሕ ኢሉ ኪጥምት ዘይፍቀዶ ቤትጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ፣ ብዛዕባ ገንዘባዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዓመታዊ ኽግምግም ምርኣይ ቅሉዕ ላግጺ ምዃኑ እዮም ምንጭታትና ቐጻሊ ዝሕብሩ።
ህግደፍ ኩሉንትናዊ ምሕደራኡ ጽፉፍን ካብ ቀጻሊ ቊጽጽር ዘየርሕቕን ከምዝኾነ ንምምሳል ዘካይዶም ወቕታውያን ተዋስኦታት መልክዕ እንዳቐየሩ ካብ ምቕጻል ኣየብኮሩን።

ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኣብ ምዝዛም ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣበየ ዞባታት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ትካላት መንግስቲ ዝካየድ ገንዘባውን ንዋታውን ምጽርራይ ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ንጽህና ምሕደራ ንምውሓስ ከምዘይኮነ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት ፥ ኣብተን ትካላት ብደረጃ ሓላፍነት ክሰርሑ ንዝጸንሑ ሰበስልጣን እንዳዋጠርካን ፡ ህዝቢ ንዝፈልጦ ጌጋታቶም ከም ቅድመ ኩነትን መፈራርህን እንዳተጠቐምካን ኣብ ስክፍታ ዝተነድቀ ሕሉፍ ተማእዛዝነት እቶም ሰበስልጣን ንምርግጋጽ በቲ ሓደ ወገን ፥ ክድስክሉ፡ ክእለዩ፡ ከምኡ’ውን ክሕየሩ ስለዝተደልየ ጌጋታት ክውህለለሎም ንዝጸንሐ ገለ ካልኦት ሓለፍቲ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ንዝዉሰድ ስጒምቲ ምኽኑይ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ እዩም ዘረድኡ።

ብመሰረቱ ፣ ህግደፍ ነተን ኣብ ቀጻልነት ስልጣኑ ዝኾነ ስግኣት ክፈጥራ ዘይክእላ ከም ናይ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ባህሊን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ጽላታት ብመንገዲ ጠቕላሊ ኦዲተር ጥቡቕ ገንዘባዊ ክትትል ኪገብር እንከሎ ፣ ኣብ ዕደና፣ ወፍሪ፡ ጸጥታን ስለያን ዝኣመሰሉ ግን ብናይ ባዕሉ ኣካይዳ ጥራይ ኪከታተሎ እዩ ዝመርጽ።

ልዑል እትዋት መሸጣ ኩሉዓይነታዊ ግምጃ ሃገር ናበይ ከምዘብል ንህዝቢ ክሕብር ዘይመርጽ ጉጅለ ህግደፍ፣ ንዞባታት ዝስልዖ ኣዝዩ ንኡስ ባጀት ኣበይ ኣትዩን በየን ወጽዩን እንዳበለ ክታረኽ ምርኣይ ንብዙሓት ካብ ዘስደምም ባህሪኡ እዩ።