ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይወግዓዊ ኣሳላጢ ዞባዊ ፖሊሲታት ሩስያን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተኸቲቡ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሮም።
እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብዉልቁን ብመንገዲ ልኡኻቱን ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ተጸሚዱ ብጽሖታት ከሰላስል ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ሓቢረን ኣብ ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ደዉ ክብላ የኽእሉ እዮም ኣብ ዝበሃለሎም ቊጠባዊን ጸጥታዊን መዳያት ንምርዓመን ድማ ኪጽዕር ይርአ ከምዘሎ እዮም ኣረዲኦም።
ጉጅለ ህግደፍ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብሱዳን፡ ኬንያ፣ ሶማልን ካልኦት መቓርብቲ ሃገራት እዚ ዞባን ከደላድሎም ዝጓየ ዘሎ ዝምድናታት ንረብሓ ህዝብታት እዚ ከባቢ ዘይኮነ፣ እዚ ዞባ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሓቢሩ ኪጸንሕን ምስ ምዕራባዊ ዓለም ዝጸንሖ ዝምድና ኣዛሕቲሉ ናብ ደንበ ሩስያን ቻይናን ከብልን ንምድራኽ ገዚፍ ዞባዊ ዕዮገዛ ተዋሂብዎ ናይ ተለኣኣኺ ተራ ይጻወት ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዝሕብሩ።
ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ምስ ምዕራባዉያን ዝደናገጹ መንግስታትን መራሕቲን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ዝሸምዎም ሽርሕታት እንዳራባሕካ ፣ ተፈታዉነትን ተደላይነትን ቻይናን ሩስያ ንምዕዛዝ ካብ ማእከሎት ዕላማታት እቲ ዕዮገዛ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ መራሒ ህግደፍ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምብጻሑ ዝዓርግ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ምክትል ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዝኾነ ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ ኣብ ከተማ ኣስመራ ድሕሪ ምብጻሑ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዉያን ሸነኻት ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ዘይምስምማዕ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ናይሮቢ ዚዛይድ ዘሎ ክልላዊ ምትፍናን ከም ኣብነት ዘርዚሮም።
ኣብዚ’ዚ ግዜ’ዚ ምስ ሩስያ ብግህዶ፣ ምስ ቻይና ድማ ብከዉሊ ልዕሊ ካልእ እዋን ተቓሪቡ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ከም ምስሌነ እተን ሃገራት ኣብዚ ዞባ ኪነጥፍ እንተበቒዑ ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኪመጽኦ ዝኽል ስግኣት ክናገፍ ኢየ ኢሉ ስልዝኣምን እዩ ከም ተለኣኣኺ ምስ ሃገራት እዚ ዞባ ቅድሚ ሕጂ ኣርእይዎ ብዘይፈልጥ ቅልጣፌ ዝምድናታት ዘቃንዕን ብምስምስ ዝምድናታት ሕንፍሽፍሻት ዘራጒድን ዘሎ።
ጉጅለ ህግደፍ መለሳ ተማእዛዝነቱ ካብ ሩስያን ቻይናን ገዚፍ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን መቚሽሽ ይሓፍስ ከምዘሎ ዘቃልዑ እቶም ምንጭታት፣ መራሒ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ንዝኽእል ዝኾነ ዕድል ንምኽሳብ ንኤርትራን ነዚ ዞባን ናብ’ቲ ዓለማዊ ኲናት ከየኸትል ተሰጊእሉ ዘሎ ምትፍናን ደንበ ምዕራብን ደንበ ሩስያ-ቻይናን ኪሸሞም ስኽፍ ከምዘይብሎ እዮም ዘተሓሳስቡ።