ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዚሕይሎ ዘሎ ተቛውሞ ንምግታእ ተረርቲ ምኽኒታት ከስምር ጀሚሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ኣምሓራን ከተማ ኣዲስኣበባን ዝመደበሮም ፖለቲካዉያንን በርገሳዉያንን ተንቀሳቐስቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣንን ትካላትን መንግስቲ ሽበራዊ ስጉምትታት ከቃንዑ መዲቦም ዝብል ምኽንያት ሓደ ካብኡ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ መንግስትን ትካላቱን ብረታዊ ዉዳቤታት ከካይዱ ጸኒሖም ዝተባህሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ሓያለ ምሁራትን ኣካየድቲ ሚድያታትን ድሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝሓበሩ ጸብጻባት፣ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ኩነታት ኣብ ምድቓቕ እቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ዝዓርጉ ዘለዉ ተቛዉሞታት ኪጥቀመሎም ተወሳኺ ወፈራታት ከካይድ ተዳሊዩ ምህላዉ የረድኡ።

መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ህወሓት ዘርእዮ ዘሎ ምድንጋጽ ዝተዋሕጠሉ ዘይመስል ህዝቢ ክልል ኣምሓራ፣ ዝተወደበን ዘይተወደበን ተቛውሞታት ከርኢ ጀሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ተቛዉሞ ብኣብ ዉሽጢን ግዳምን ዝነጥፋ ፖለቲካዉያን ዉድባት፣ በርጌሳዉያን ማሕበራት፣ ሚድያታትን ማሕበረኮማትን ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ኪድገፍን ኪምዘንን ይርአ ብምህላዉ ፣ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከብ እዩ ኪግለጽ ቀንዩ።

ወኪል ሃገራዊ ሰልፊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (NAMA) ዝኾነ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቶ ክርስትያን ታደለ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ባይቶ ዘቕረቦ ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ኪወርድ ኣይግባእን’ዶ ዘስምዕ ሕቶ፣ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ዝብእስ ዘሎ ምትፍናን ዘረጋግጽ ምንባሩ ተሓቢሩ ኔሩ’ዩ።

ህወሓት ካብ መዝገብ ኣሸባሪ ኣዉጺካ ኣብ ትግራይ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ዕብለላ ከይንካእ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝዉሰዱ ዘለዉ ስጒምትታት ፣ ቅልዉላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረክብ ጠንቂ ኪኾኑ እዮም ዝብላ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ክልል ኣምሓራ ፣ ተቛዉሞአን ብወግዒ ከነጽራ ቀንየን እየን።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ( NAMA) ምስ ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ( ኢዜማ) ብምዃን ኣብ ራብዓይ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ተራኺቦም ድሕሪ ዘቃንዕዎ ናይ ምምኽካር ኣኼባ፣ ነቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ዉሳኔ ዘለዎም ተሪር ተቛዉሞ ብምግላጽ፣ ህወሓት ካብ መዝገብ ሸበራ ምዉጻእ ማለት ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ኲናት ምሽማም ከምዝኸዉን ኣጠንቂቘም እዮም።

ሓይልታት ኣምሓራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝጸንሖም ትሑት ምትእምማን መሊሱ ብኢሱ ምህላዉ ኣጸቢቚ ዝርዳእ መራሒ ህግደፍ እዉን፣ እቶም ሓይልታት ምሉእ ተስፋኦም ኣብ ህግደፍ ኪወድቕን፡ ብመንገዶም ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምጽላዉን ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።