ኣብ ሱዳን ብዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ግፋ ተለቒሞም ዝዳጎኑ ዘለዉ ወገናትና፡ ንመልቀቒ ዝሕተትዎ ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ ኪኸፍሉ ምስዝጽገሙ፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰብ ናብ ዝነጥፋ መርበባት ገበነኛታት ንምሻጦም ይድፈር ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣማኢት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ ካርቱም ብኣባላት ጸጥታ እንዳተወስዱ ይዳጎኑን ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ጂነ ከፊሎም ብዋሕስ ኪወጽኡ ይሕተቱን ፣ ገለዉን ናይ መልቀቒኦም ከፊሎም ከይኣክል ሱዳናዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኪወሓሶም ከምዝኽእል ይንገሮም ብምህላዉ ፣ ንዝተሓላለኹ ጸገማት ይቃልዑ ኣለዉ።
ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምስ ደላሎን ጨወይቲን እንዳተሓባበሩ ነቶም ተዳጒኖም ንመልቀቒ ኪኸፍሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ጉጅለ ገበነኛታት ኪንሸጠኩም ኢና ዝብል ምፍርራሃት ይበጽሖም ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂሰባት ነዊሕ ዝሰርሑ ገለ ኤርትራዉያን ሰምሰርቲ ካብ ኤምባሲ ህግደፍ መምርሒታት ተዋሂብዎም ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን እንዳተሓባበሩ ኣሕዋቶም ኣብ ምግፋፍ ይነጥፉ ከምዘለዉ ዝሕበር ኮይኑ፣ ካብቲ ካብ ኣሕዋቶም ንመልቀቒ ዝኽፈል ገንዘብ ይማቐሉን ምህላዎም ከይኣክል፣ ክኸፍሉ ንዘይከእኣሉ ካልኦት ኣሕዋቶም ናብ ካልኦት ጨወይቲ ኪሸጥዎም ምዃኖም የፈራርህዎም ከምዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን መንሰያት ኪህሉ ኣመና ዘስግኦ ጉጅለ ህግደፍ፣ ምስ መንግስታትን ሰብመዚ ጸጥታን እተን ሃገራት እንዳተሻረሐ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም መንእሰያት ቀጻሊ ራዕዲን ጸቕጢን ከምዝህሉ ጌርካ ኣርሒቖም ኪስደዱ ንምግዳዶም ብቐጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።
ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራ ብሓፈሻ ፖለቲካዉያንን ሲቪካዉያንን ተንቀሳቐስቲ ድማ ብፍላይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ቀይዲ በቲኹ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንማሕበረሰብ ዓለም ከእውዩልዎም ሓያለ ወገናትና ካብ ከተማ ካርቱም ብዘይምቁራጽ መልኽትታት ይሰዱልና ምህላዎም ደጊምና ነፍልጥ።
ኣብ ከም ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ግብጺን ካልኦት ዝቃረባና ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ብሰብ መዚ ስደተኛታትን ሓይልታት ጸጥታን እተን ሃገራት ቀጻሊ በደላት ከምዝወርዶም፡ ናይ ዑቕባን ጸጥታዊ ዉሕስነትን መሰላቶም እዉን ብብላዕን ካልእ ሓለፋታትን ኪረኽብዎም ከምዝግደዱ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ነዚ ንምግታእ ፡ ተበዲልና ዝብሉ ስደተኛታት ናብ InspectorGeneral@unhcr.i-sight.com ጥርዓኖ ከቕርቡ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እየን ሓያለ ኤርትራዉያን ተሓለቕቲ ኣካላት ዝመኽራ።