ኣብ ኤውሮጳ ካብ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ከቢድ ብድሆ ምህላዉ ዝተገንዘበ ህግደፍ ፣ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክጅምሮ መሪጹ ዘሎ ብስም ህዝባዊ ሰሚናር ገንዘብ ህዝቢ ናይ ምምንዛዕ ሜላ ብዝተወሃሃደ ጻዕሪ ደለይቲ ፍትሒ ይተዓናቐፎ ኣሎ።
ቆንስል ኤምባሲ ህግደፍ ምስ መሳርሕቱ ፡ ቀዲሙ ኣብ ከባቢ ሃሪስበርግ ዝወጠንዎ ሰሚናር ፡ ናብቲ ኣኼባ ብዝተጸንበሩ ደልይቲ ፍትሒን ንሶም ብዘቕረብዎም በዳህቲ ሕቶታትን ዕላማኡ ከይሃረመ ከምተፈንጥሐ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ቆንስል ኣብ ከተማ ዳላስ ተመሳሳሊ ሰሚናር መዲቡ ምንባሩ ዝተገንዘቡ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ’ታ ከተማ እዉን ብዝተወሃሃደ መልክዕ ወፊሮም ፣ ብዛዕባ እቲ ንህዝባዊ ሰሚናር ከም ሽፋን ጌሩ ገንዘብ ህዝቢ ንምምንዛዕ ዝስራዕ ዘይሕጋዊ ኣኼባ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ቦታ ኣኼባ ኣካርዩ ዝነበረ ትካልን ስለዘመልከቱ ፣ ቆንስል ህግደፍ ኣኼባኡ ናብ ካል ቦታ ክቕይር ከምዝተገደደ እዩ ተሓቢሩ።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዳላስን ከባቢኣን ከይተሓለሉ ነቲ ቦታ ዝቐየረ ኣኼባ ተኸታቲሎም ከምዝረኸብዎን ከይኣትዉ ግን ከምተኸልከሉ እዮም ዝሕብሩ። ቆንስል ህግደፍ ኣብ ናይ ዳላስ ኣኼባኡ ኣብ ምዉት ግዜ ቦታ ክቕይር ከተገድዶ ምኽኣል ቀሊል ዓወት ከምዘይኮነ ዝገልጹ ኣባላት ደልይቲ ፍትሒ፣ ብሰንኪ እቲ ምቅይያር ቦታ፣ ኣኼባ ህግደፍ ኣብ ዳላስ ዝኣክል ተሳታፊ ከምዘይነበሮ የረድኡ።
ህግደፍ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ከዉፍሮም ጀሚሩ ዘሎ ሰሚናራት ፣ መሰረታዊ ዕላማኦም ገንዘበዊ ምዝመዛ ጥራይ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምሕባሮም ኣይርሳዕን።
ኣብ ስደት ኮይኑ ግዳይ ቀጻሊ ምዝመዛታት ህግደፍ ዝኸዉን ዘሎ ሰዓቢ ፣ ብናይ ሓሶት መብጸዓታት ጉጅለ ህግደፍ ተታሊሉ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኪገብሮ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ባይታ እንታይ ፍረ ተረኺብዎ ኢሉ ከገናዝብ ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፣ እዞም ህግደፍ ብመንገዲ ኤምባሲታቱን ቆንስላቱን ብሰሜን ኣመሪካ ጀሚርዎም ዘሎ ልሙዳት ተዋስኦታት ልዕሊ ካልእ እዋን ኪጎርሓሎም ጸዊዖም እዮም።
ህግደፍ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ዘደፋንቚ ምኽኒታት እንዳመስርሐ ፣ ኣብ ምጭፍላቕን ምጩቋንን እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ዘዉዕሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኽዕባት ጀሚርዎ ዘሎ ወፍሪ ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣምሪካን ካልኦትን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪቃለስዎ ከምዝግባእ እዉን እቶም ምንጭታት ጸዊዖም እዮም።
ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ወገኑ ዘለዎ ሻቕሎት መዝሚዝካ ልዑል ገንዘብ ንምምንዛዕ ብህግደፍ ተሓንጺጾም ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ምድላዋት ክግበረሎም ዝጸንሑ ጐስጓሳትን ህዝባዊ ሰሚናራትን ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኪካየዱ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
እተን ድሕነትን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራዉያን ከዉሕሳ ዝጽገማ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምንጣል ጥራይ ዝቐለን ኤምባሲታትን ቆንስላትን ፡ ኤርትራ ደጊም ካብ ስግኣት ወያነ ስለዝወጸት ህግደፍ ገዚፍ ሃገራዊ ልምዓታዊ ተሃድሶን ማሕበራዊ ሕዉየትን ወጢኑ ከምዘሎ እንዳጎስጎሳ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ከዉፊ ናይ ዘመተ መደባት ሰሪዐን ምህላወን ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።