መዳዉብቲ ሩስያ ዝኾነት ፊንላንድ ኣባልነት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትኸዉን ብምብቃዓ ፣ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣባላት ሃገራት እቲ ኪዳንን ዝብእስ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከብል ምዃኑ ወተሃደራዉያን ተንተንቲ እቲ ከባቢ ይገልጹ ኣለዉ።

ንልዕሊ 1,300 ኪሌሞተራት ምስ ሩስያ እትዋደብ ፊንላንድ ናብቲ መበል 31 ኣባል ኮይናትሉ ዘላ ኔቶ ንኽትጽንበር ካብ ዝጠለበትሉ እዋን ኣትሒዙ ካብ ሩስያ ተሪር መጠንቀቕታ ይስማዕ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣባልነት ፊንላንድ፣ ኔቶ ናብ መሬት ሩስያ ዘለዎ ቅርበት ዘራጒድ ከምዝኸዉን ዝሕብሩ እቶም ተነተንቲ ፡እዚ ድማ ሩስያ ህላዉነታ ንምርግጋጽ ተሃላላኺ ወተሃደራዊ ፖሊሲታት ከተቕንዕ ከምዝግድዳ የተንብሁ።

ዩክሬን ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከምኡ’ዉን ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክተጸጋጋዕ ስለዝተራእየት ዝጀመረ ወራር ሩስያ፡ ናህሩ ይዉስኽ ኣብ ዝነበረሉ፣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለማዊን ኤውሮጳዊን ወተሃደራዊ ክስተታት – ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ኪወስዳ ዘይተራእያ ፊንላንድን ሽወደንን፣ ናብ’ቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኪጽንበራ ዘለወን ድሌት ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምዘነጸራ ኣይርሳዕን።
ጠለብ ፊንላድ ሕጂ እወታዊ መልሲ ክረክብ ኣንከሎ ፣ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ግን ብሰንኪ ተቛዉሞ ቱርኪ ተደናጒዩ ምህላዉ ይንገር።

ንፊንላንድ ሓዊስካ ኣብ’ዚ እዋን እዚ 31 ሃገራት ሓቚፉ ዘሎ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፣ ንመለኪዕታት ኣባልነት ዘማልአት ዝኾነት ኤውሮጳዊ ሃገር ክጽንብር ዘኽእል ክፉት ፖሊሲ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ናብ’ቲ ኪዳን ክጽንበራ ናይ ዝሓታ ሃገራት ጉዳይ፣ ኩለን ኣባላት ሃገራት እቲ ኪዳን ብመንገዲ ሃገራዊ ባይቶታተን ከጽድቕኦ ስለዘለወን ፣ መስርሕ ኣባልነት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ብመርገጺታት ዉሳኔታትን ኣባላት ሃገራት ኣመና ኪጽሎ እዩ ዝርአ።

ቱርኪ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ፣ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ ኪዳንን ዉሳኔታቱን ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ ከምዘለዋ እዩ ዝሕበር።