ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሓገዝ መንግስቲ ጥልያን ፣ ኣብ ከባቢ ሳርዶ ናይ ክልል ዓፋር ኣብ 500 ሄክታር ዝስፍሓቱ ቀጽሪ ን 2,600 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝኣክል መጽለሊታት ከምዝሃነጸ ተሓቢሩ።
እቲ መጽለሊ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ኣየር ብዝመሰማማዕ ዝተሃንጸ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ትካል ፣ ነቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ሕሰም ዝጸንሑ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ግዝያዊ ሩፍታ ዝፈጥር ከምዝኾነ የረድእ።
ጸጥታዊ ኩነታት ናይታ ብኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተጸልያ ዝጸንሐት ክልል ዓፋር ናብ ንቡር ኩነታት ይምለስ ብምህላዉ ፣ ካብ መዓስከር ስደተኛታ በራሕሌ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢታት ሰመራን ሎግያን ዝርከቡ ልዕሊ 26 ሽሕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናብ ቦታኦም ንምምላስ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ክሕብር ምጽናሑ ይፍለጥ።
እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ምስ ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA ከምኡ’ዉን ሰብ መዚ ክልል ዓፋር ብምትሕብባር ድሮ መስርሕ ምምላስ ተፈናቐልቲ ስደተኛታት ኣብ ምቅናዕ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ምጅማር ወርሒ ለካቲት 2022 ብሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ምጽናሖም ይፍለጥ።
ድሕሪ’ቲ ናይ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ መዓስከር ስደተኛታት በራሕሌ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ፡ ሓያለ ኤርትራዉያም ተቐቲሎም ብኣሽሓት ካልኦት ከምእተጨዉዩ ዝዝከር ኮይኑ ፣ ልዕሊ 34,000 ነበርቲ እቲ መዓስከር ዝኾኑ ስደተኛታት ተመዛቢሎም ናብ ነንበይኑ ሸነኻት ኣጻምእ ክልል ዓፋር ፋሕ ኢሎም ብዘይዉሑስ ደገፍ ኣብ ሽግር እዮም ጸኒሖም።