ካብ ከተማ ደቀምሓረ ኣስታት 6 ኪሎሚትር ርሒቚ ኣብ ከባቢ ውጡሕ ተደኲኑ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ዕዳጋ ናይ ዝርከቡ ኣማኢት ዜጋታትና ሕሱም ኩነታት ከይተመሓየሸ ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ብዝተፈላለየ ዘይብቚዕ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐየዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ከምኡ’ዉን ካብ ከተማታትን መዓስከራት ስደተኛታትን ትግራይ ብስለያ ህግደፍ ዝተጨውዩ ንጹሃት ዜጋታት፡ ክቱር ሕጽረት መኣዛታትን ብዝጠንቈም ሕማማት ይሳቐዩ ምህላዎም ይንገር።
ኣብቲ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝተኣስሩ ከይተረፈ ዝርከብዎ ቦታ ስቓይ፡ ብሓደ ኣጋር ሓኪም እትምራሕ 4ተ ዝኣባላታ ጉጅለ ቀዳማይ ረዲኤት’ኳ እንተላ፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ተርእዮ ሕማማት፡ ሕጽረት መድሃኒትን ቀረብ ናውትን፡ ኣበርክቶኣ ኣዝዩ ትሑት እዩ።
ብዙሓት ብሰንኪ ስእነት ሕክምና ኣካላዊ ስንክልና ይገጥሞም ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ዕድጋ ካብ 13 ክሳብ 17 ዝዕድሚኦም 67 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ልዕሊ 550 ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ክሲ ከም ገበነኛ ተታሒዞም ይሳቐዩ ምህላዎም ይፍለጥ።