ኣብ ብራዚል ዝመደበሮም ነጋዶ ዕጸፋርስ፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናይ ኣዲስ ኣበባ ከም ቀንዲ መተሓላለፊ ናይቲ ናብ ምዕራባዊን ማእከላይን ኤውሮጳ ኮኬን ዘሻይጥ መርበቦም ይጥቀምሉ ከምዘለዉ እዋናዊ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣረዲኡ።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበናትን ምስግጋር ዕጸፋርስን ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽእዎ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብብራዚላዉያን ነጋዶ ዕጸ ከም ቀንዲ መሳገዲ ተወሲዱ ምጽንሑ ኣነጺሩ ኣሎ። ጎሎባዊ ጸብጻብ ኮኬን 2023 ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐ እቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ ቀንዲ መተሓላለፍቲ ናይቲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዘብል ሓድሽ መስመር ንግዲ ኮኔን ብራዚል ኮይና ከምእተረኽበት የመልክት።

ካብ ብራዚል ክብገሱ ካብ ዝተታሕዙ 156 ጽዕነታት ኮኬን እቶም 64 ናብ ኢትዮጵያ ከምርሑ ዝአደበሎም ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ድማ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብነጋዶ ዕጸፋርስ ብራዚል ከም ቀንዲ መተሓላለፊ ተወሲዱ ምጽናሑ ዘረጋግጽ እዩ ይብል።

ብዘይካ’ዚ እቲ ጸብጻብ ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ናይጀርያን ኬንያን እዉን ካብ ቀንዲ መተሓላለፍቲ ናይዚ ሓድሽ መስመር ገበን ኮይነን ምህላወን ጠቒሱ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ግን በቶም ብራዚላዊ መርበብ ንግዲ ዕጸፋርስ ሓለፋ ክጥመት ምጽንሑ የገንዝብ።

መርበባት ንግዲ ኮኬም ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ከሳፍሑ ምርኣይ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ዘተሓሳሰበ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበናትን ምስግጋር ዕጸፋርስን ሕቡራት ሃገራት ፡ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ቀይዲ ክርከበሉ ሓባራዊ ስራሕ ከምዘድሊ ኣነጺሩ።

ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝጸንሐትን ኣብዚ ግዜ ብቀቢላዊ ምትፍናንን ቊጠባዊ ዉድቀትን ተሰኒፋ ከምዘላ ዝንገረላን ኢትዮጵያ፡ መናሃርያ ናይ ዉሽጥን ግዳምን መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ።

ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ፡ 83 ኪሎ ኮኬን፡ ከባቢ 10 ኪሎ ዕጸ፡ ልዕሊ 9 ኪሎ ድማ ኦፕየም ናብ ሃገሩ ኪኣቱ ከምዝሓዘን ምስኡ ብዝተኣሳሰር 16 ወጻእተኛታት ከምዝቐየደን ኣፍሊጡ ኣሎ።