ንፈረቓ መንእሰይ ወለዶ ኣሳዲዱ ፡ ሃገር ኣብ ግዜ ናጽነት ንዝነበራ ዝርካቡ ትሕተ ቅርጺ ኣዕንዩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ፍቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት እንዳገሽ ንምዕባለን ልምዓታዊ ገስጋስን እተን ሃገራት ከድንቕን ኪሙግስን ክትርኢ እንከለኻ ፣ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ናይ ዘይምሕናኽ ባህሊ ኣጥሪዩ ከምዘሎ የነጽረልካ” ክብሉ ነበርቲ ከባቢ ኣስመራ ዝኾኑ ነባራት ተጋደልቲ ናብ ኤሪሳት ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

“ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ማእከላይን ደቡባዊን ኢትዮጵያ ብላዕለዎት ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተግብረ ዑደት ዘመላኸቶ ነገር እንተነይሩ ፣ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዉጹእ ንዕቀት ከምዘለዎ ጥራይ እዩ” ዝበለ ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ፣ ንኤርትራን ህዝባን ንመርሕ ኢና ዝብሉ ላዕለዎት ኣባላት ህግደፍ ኣብ ፊንፊነን ከባቢታት ኦሮሞን እንዳተናፈሱ ብዛዕባ መባእታዊ ልምዓታዊ መደባት ኪድነቚ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ዉርደት ከምዘየለ ኣረዲኡ።

ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ ህግደፍ፣ መራሒኦም ዝገበሮ ኪገብሩ ትጽበዮ ነገር እዩ ዝበለ ካልእ ካብቶም ተጋደልቲ፣ “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ቊጠባ እኳ መሊእና ከነሳኽዕ ኣይከኣልናን” ክብል ዘይሓንኽ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፍቐዶ ጎረባብቲ እንዳኸደ ብመንፈዓት ካልኦት ኪድነቕ ምርኣይ ሓድሽ ከምዘይኮነ የዘኻኽር።

ክንደይ ታሪኽን ቅያን ዝሰርሑን ጀነራላት ኤርትራ መዘናታቶም ኪኾኑ ብዘይወሓጠልካ ሰብስልጣን ፈደራል እዳተመርሑ ከም ቈልዑ ኪናፈሱን ኪጋበዙን ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ሃገራዊ ዉርደት የለን ዝበሉ እቶም ተጋደልቲ፣ ጉጅለ ህግደፍ ንርዝነትን ክብረትን ኤርትራን ህዝባን ከዕኑ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ቃልዕ ይጓየ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ ህግደፍ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይዎ ልምዓታዊ ገስጋስ፣ ንምንታይ ዋላ ብስነእኣሰ መልክዑ ኣብ ኤርትራ ክምዝገብ ኣይከኣለን ኢሎም ኪግምግሙ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝበሉ እቶም ተጋደልቲ ኣብ መወዳእታ፣ ገዝኡ ኣዕንዩ ብህንጻ ጎረቤት ዝንየት ስርዓት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ምህላዉ ኣገንዚቦም።