ክፍሊ ኢሚግሪሽን ሽወደን ፣ ነቶም ኣብ ሃገሮም ኣሎ ብዝብልዎ ዘይውሑስ ኩነታት ተዳፊኦም ከምተሰዱ ንመንግስቲ ሽወደን ኣእሚኖም ናይ ዑቕባ ወረቐት ዝረኸቡ እሞ ፣ ሻቡ ተሓቢኦም ናብ ሃገሮም ዝገሹ ስደተኛታት ጉዳዮም ዳግማይ ኪፍተሽ ዘኽእል ኣሰራርሓ ኪደላደል ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊት ኢሚግሬሽን ሽወደን ፣ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳባ ኣብ ዘካፈለቶ መብርሂ፣ ንምንግስቲ ጌጋ ሓበሬታ ሂቦም ዑቕባ ከምዝተዋህቡ ዘመላኽቱ መርትዖታት ዝተረኽቦም ስደተኛታት ጉዳዮም ዳግማይ ተፈቲሹ መሰል ዑቕባኦም ዝሰሓበሉ መስርሕ ክሕይል ምዃኑ እያ ኣነጺራ።

ነዚ ንምትግባር ኣስራሕቲ እዮም ዝበሃሉ ኣማራጺታት ተጸኒዖም ኣብ ወርሒ ሰነ ኪግለጹ ምዃኖም ዝጠቐሰት እታ ሓላፊት፣ ንመንግስቲ ኣታሊልካ ኪትዕቈብ ምህቃን ከቢድ ገበን ምዃኑ ኣተሓሳሲባ ኣላ።

እዚ ብዝሓየለ ኣሰራርሓ ኪጻፈፍ ተደልዩ ዘሎ ሓድሽ መደብ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሃገርና ካብ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ኢና ሃዲምና ኢሎም ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸቡ ናብ ዓዶም ብምስጢር ኪገሹ ዝረኣዩ ውሑዳት ኤርትራዉያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘዉድቕ እዩ።