“ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዕለታዊ ንዝፈርዩ ዓሰርተታት ሓጸርቲን ተኸታተልቲን ፊልምታት ከምኡ’ዉን ደርፍታት ዝገብሮ ዘሎ ልዑል ገንዘባዊ ዱጎማ፣ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ እንተዝዉዕል፡ ዘይነዓቕ ዉጽኢት ክምዝገብ ምኸኣለ ነይሩ” ክብሉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓት ደጊሞም ሓቢሮም።
ዕላማ ናይቶም ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ናይ ዩቱብ መስመራት ዝራብሑ ዘለዉ ፊልምታትን ደርፍታትን፣ ስነጥበባዊ ትሕዞ ሃገርና ንምሕያል ዘይኮነ፣ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ካብ ሓቀኛ ሃገራዊ ዛዕባ ኣርሒቚ ብ ኣሀልወስቲን ኣካታዕቲን ስራሓት ክጽሎን ክዕዘብን ንምግባር ምዃኑ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ዝበልዖን ዝሰትዮን ስኢኑ ተጣሪዑ እንዳሃለወ ፣ ሃገር ኣብ ጽጋብን ፈንጠንዝያን ከምዘላ ከእምኑ ዝፍትኑ ኪነታዊን ድራማዊን ስራሓት ብብዝሒ ክፈርዮ ምትብባዕ ፡ ህግደፍ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ገይሩ ልዑል ገንዘባዊ ደገፍ ሰሪዕሉ ዘሎ መደብ ምዃኑ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ንምትላል፣ ንምስዳዕን ንምግምማዕን ተሰሊዑ ዝሽረፍ ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ሸመተ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ናይ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ይወፍር እንትዝህሉ ፣ መነባብሮ ዝበዝሐ ሓፍሽ ክቕየር ምተራእየ ክብሉ ኣገንዚቦም።
ናይ ምልኪ ስርዓታት፡ ምሕደራዊ ዉድቀቶምን ጭቆና’ቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ዜጋን ንምሕባእ፣ ንስነጥበብ ከም ዝዓበየ ፖለቲካዊ መሳርሒ ወሲዶም ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ክስልዕሉ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ።
ምንጭታት ካብ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ሓበሬታኦም ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሓፈሻዊ ገምጋም – ዕለታዊ ልዕሊ 25 ስነጥበባዊ ስረሓት ኣብ ሃገር ተሰሪሖም ብመንገዲ ናይ ዩቱብ መሰመራት ናብ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ከምዝበጽሑ ጠቒሶም፣ ዝበዝሑ ካብቶም ፍርያት ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ይትረፍ ኢንተርነት መብራህቲ እዉን ዘይብሉ ህዝብና ከምዘይምልከቶ የረድኡ።
ብዘይካ’ዚ ህግደፍ፡ ኣብ ግዳም ዝብርኽ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምስ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ንምርኻብ ብዝነጥፋ ሚድያታት ፍትሒ ዝዳለዉ ስራሓት ተዓዛብነት ንኽስእን፡ ሓደስቲ ናይ ዩቱብ መስመራት ብብዝሒ ንምዉፋር ሓንጺጽዎ ዝጸንሐ መደብ ብዝሓየለ ይጎየሉ ምህላዉ እዉን ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2021 ፣ ኣቶ የማነ ገበረኣብ ንዉሑዳት እሙናት መንእሰያት-ህግደፍ ጥራይ ኣብ ዘካየዶም ማንዛዊ ኣኼባታት ፣ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዝንህር ዘሎ ናይ ለዉጢ ሓይሊ ንምቚጻይ ገዚፍ ባጀት ተሰሊዑ፡ ብህግደፍን መንእሰያት ህግደፍን ዝካየዳ ብዙሓት ሓደስቲ ናይ ዩቱብ መስመራት ፡ መርበባት ሓበሬታ፡ ገጻት ማሕበራዊ ሚድያን ካልእን ንምውፋር ተመዲቡ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ እዩ ።