መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ብፍሉይ ሓይሊ ዝፍለጥ ኣህዱ ጸጥታ ክልላት ገዚፍ ዳግመስርርዕ ብምትግባር- ኣባላት እቲ ኣሃዱ ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ንምጽንባሮም ሓንጺጽዎ ዘሎ መደብ ካብ ህዝቢን ሓይልታትን ክልል ኣምሓራ ድሮ ተቛዉሞ ከስዕብ ጀሚሩ ።
ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናይ ኩለን ክልላት ብድሌቶም ናብ ሰራዊት ወይ ፖሊስ ፈደራል ክጽንበሩ እንተዘይደልዮም ድማ ናብ ሲቪላዊ ሂወቶም ኪጣየሱ ዝሕልን መደብ ፣ ኣብ ዝበዝሓ ክልላት ብዘይጸገም ክሰላሰል ተጀሚሩ እንዳሃለወ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን ብድሆታት ይገጥሞ ከምዘሎ እዩ ኣነጺሩ።
ናይ’ዚ መርኣያ ኣብ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ክልል ዝኾነት ባህርዳር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ሰራዊት ፈደራልን ሓሓሊፉ ምልዉዋጥ ተዂሲ ይስማዕን፡ ህዝባዊ ተቛዉሞታት ይቀላቐልን ምህላዉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።
ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ፣ ኩለን ክልላት ናይ ባዕለን ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ክምልምላን ከዕጥቃን ዝጸንሓ ኮይነን ፣ ምስ ምዉላዕ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ – ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ኩሉ ህዝቢ ኣምሓራ ተሓናፊጹ ናብ ናይ ሰራዊት መልክዕ ተቓሪቡ ምህላዉ ይንገር።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ኪፈትሑ ጌሩ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉያት ሓይልታት ኩለን ክልላት ናብ ፈደራላዊ ፖሊስ ወይ ሰራዊት ምክልኻል ኣላፊንካ ንምምእካለን መደብ ሒዙ ኪሰርሕ ምጅማሩ ይንገር።
ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ኽግመት ጸኒሑ እዩ።
እዋናዊ መግለጺ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘምልክቶ ሓደ ሓቂ ድማ፣ እቲ መደብ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኣምሓራን መንግስቲ ፈደራልን ሓድሽ ወተሃደራዊ ጎንጺ ክዉላዕ ጠንቂ ኪኸዉን ከምዝኽል እዩ።
ጉዳይ ዋንነት መሬት ከባቢታት ወልቃይትን ጸገዴን ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ሓጺር እዋን ዘይዓርፍ ምስሕሓብ ኣንጊሱ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ከጻንሖ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ህግደፍ ፣ ንሓይልታት ኣምሓራ ካብ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኽናገፉ ገዚፍ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ደገፍ ብሕቡእ ክቕርብ ምጽንሑ እዉን ኣይርሳዕን።