ብቀዳም 8 ሚያዝያ ካብ ገማግም ደቡባዊት ከተማ ፋክስ ናይ ቱኒዝያ ብጠቕላላ ልዕሊ 80 ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣሳፊረን ዝተበገሳ ክልተ ጀላቡ ብምጥሓለን ብዉሑዱ ደሃይ ናይ 23 ሰባት ጠፊኡ ከምዘሎ ሰብመዚ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ካብተን ናብ ጥልያን ኣንዳምርሓ ዝጠሓላ ጀላቡ 53 ስደተኛታት ብኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ክድሕኑ እንከለዉ ዛጊት ናይ 4 ግዳያት ሬሳ ተረኺቡ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ፣ ኣብዚ ዓመት ናብ ዓዲ ጥልያን በጺሖም ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 12 ሽሕ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝተበገሱ እዮም። ኣብ 2022 ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ብዝሒ 1,300 ጥራይ እዩ ኔሩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብዚ ዓመት ዛጊት ልዕሊ 14,000 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ካብ ጉዕዞ ክምለሱ ተጌሩ ኣሎ። በዚ ድማ ብዝሒ ናይቶም ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝብገሱ ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ናይ ሊብያ ይዳረግ ከምዘሎ ክርዳእ ይከኣል።

ካብ ቱኒዝያ ዝንህር ዘሎ ዋሕዚ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት በቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝብርኽ ዘሎ ጽለኣት ይብእስ ምህላዉ እዉን ይንገር።

ኣብ ቱኒዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ብምዝያዱ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃር ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይረኣዩ ምላዎም ተገሊጹ እዩ። ብዝወርዶም ዘሎ መጥቃዕቲታት ሰጊኦም ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከባ ኤምባሲታቶም ብምኻድ ዑቅባ ይሓቱ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ እዉን ዕለታዊ ክዛይድ ይርከብ።

ሓያለ ካብቶም ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ብናይ እምባጋሮ ጉጅለታትን መንእሰያትን ናይ ዝነብሩሎም ከባቢታት ዝተፈላለዩ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ይበጽሖም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ኮይኖም፣ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ምድንጓያት ከምዘርእዩ እዮም ዝወቕሱ።