ኣብ ሃገራት ስደት ብሓፈሻ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር መናእሰያትና ዝዛይድ ዘሎ ምጉድዳእ፣ ንኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና የሻቕል ከምዘሎ ወኪላት ኤሪሳት ንዝኣከብዎ እዋናዊ ርእይቶታት ህዝቢ ብምጥቃስ ደጊሞም ሓቢሮም።
ኤርትራዊ መንእሰይ ናብ ስደት ዘምረሖ መሰረታዊ ጠንቂን ዕላማን ይዝንግዕ ከይህሉ ዘተሓሳሰበ እቲ ርእይቶታት፣ ኣብ ልዕሊ መጻምድትኻ ፡ ብጾትካ ፡ ኣሕዋትካን መቕርብካን ክሳዕ ህይወት ምሕላፍ ዝኸዱ ኣካላዊ ምጥቕቓዕ ፡ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ይመክር።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራባዊ ዓለም ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንዘማዕብልዎምን ንዘልምዕዎምን መንገዲታት ህይወት ኸስተብህሉ ዘዘኻከረ እቲ ርእይቶታት ህዝቢ፣ ናብ ወልፍታትን መንፈስ ተሳዓርነትን ንዘምርሑ መንገድታት ኪነቕሕሎምን ክርሕቑሎምን ተላብዩ።
እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝበኣሰ ጸገማትን መሰናኽላትን ሰጊሮም ናብ ዝሓሸ ቦታ ዝበጽሑ መናእሰያትና ፡ ለዚብካ ኪፍትሑ ብዝኽእሉ ጸገማት ተሰኒፎም ኣብ ምቅትታልን ምጉድዳእን ኪኣትዉ ዘምሕር ከምዘይኮነ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝብና ብቐጻሊ የተሓሳስብ ምህላዉ ይንገር።
ኤርትራዉያን መንእሰያት ስደት፡ ብዝነኣሱ ግድላት ናብራን ኲነታትን ተናዊጾም ኣብ ልዕሊ ህይወቶምን ህይወት ካልኦትን ሓደጋ ኪወድቊ ኽትርእይ ዘሕዝን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ርእይቶታት ህዝቢ ፣ እቶም መንእሰያት፡ ነብሶምን ኩነታቶምን ምስቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ኮይኑ ዝኾነ ፍጡር ክጸሮ ንዘይክእል ሕሰም ተጸሚሙ ንመጻኢ ዝትስፎ ዘሎ ህዝቦም ብምንጽጻር ክጓዓዙ ጸዊዑ።