መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ንፍሉያት ሓይልታት ኩለን ክልላት ዕጥቆም ከውርዱ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ዘረባ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ምክትል ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ኣበባዉ ታደሰ ሓቢሩ።

እቲ ጀነራል ኣብ ሓበሬታኡ፣ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናይ ዝኾነት ክልል ናብ መሳርዕ ሰራዊት ወይ ፖሊስ ፈደራል ጸንቢርካ ምእኩልነት ንምርግጋጽ እንተዘይኮይኑ፣ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቁ ኣዉሪድካ ንምድቓቑ ዝህቅን ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ከምዘየለ እዩ ጠቒሱ።

ሓንቲ ክልል ናታ ኣሃዱ ፖሊስ ጥራይ ክህልዋ ፣ ዝተረፉ ኩሎም ኣባላት ፍሉይ ሓይላ ግና ናብ ሰራዊትን ፖሊስን ፈደራልን ኢትዮጵያ ተጸንቢሮም ብዝተማእከለ ኣገባብ ንጸጥታን ድሕነትን ሓንቲ ኢትዮጵያ ደዉ ክብሉ ተደልዩ ከምዘሎ ዝሓበረ ጀነራል ኣበባዉ፣ ብብሄርን ቀቢላን ተማቒሉ ዝህነጽ ሰራዊት ኣስራሒ ከምዘይኮነን ቅዋም ኢትዮጵያ እዉን ከምዘየፍቅድን እዩ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝግበር ዘሎ ዳግመ ስርርዕ እንትርፎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ካልኦት ክልላት ብዘይጸገም ይቃናዕ ምህላዉ ዘነጸረ እቲ ጀነራል፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን መንግስቲ ንፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዕጥቁ ከምዘይዉርድ ጌሩ ከዳቕቘ እዩ ኣሳቡ ዝብል ግጉይ መረዳእታ ነጊሱ ተቛዉሞታት ይቀላቐል ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኩለን ክልላት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዳግመስርርዕ እንዳተቐበላ፣ ሓንቲ ክልል ንበይና ትሕንግደሉ ምኽንያት ከምዘይህሉ እዉን እቲ ጀነራል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናይ ኩለን ክልላት ብድሌቶም ናብ ሰራዊት ወይ ፖሊስ ፈደራል ክጽንበሩ እንተዘይደልዮም ድማ ናብ ሲቪላዊ ሂወቶም ኪጣየሱ ዝሕልን መደብ ፣ ኣብ ዝበዝሓ ክልላት ብዘይጸገም ክሰላሰል ተጀሚሩ እንዳሃለወ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን ብድሆታት ይገጥሞ ከምዘሎ ሓቢሩ እዩ።

ናይ’ዚ መርኣያ ኣብ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ርሰከተማ እታ ክልል ዝኾነት ባህርዳር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ሰራዊት ፈደራልን ሓሓሊፉ ምልዉዋጥ ተዂሲ ይስማዕን፡ ህዝባዊ ተቛዉሞታት ይቀላቐልን ምህላዉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ነቲ መደብ ዝተቛወሙ ሓያለ ኣባለት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ እዉን ካብ መዓስከራቶም ወጽዮም ናብ ካልእ ከባቢታት ክተኣኻኸቡ ይረኣዩ ምህላዎም ይግለጽ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፣ እቶም መዓስከራቶም ቦታ ስራሖምን ራሕሪሖም ዝኸዱ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት እታ ክልል ብቕልጡፍ ክምለሱን ክሳብ እቲ ናይ ዳግመስርርዕ መስርሕ ዝጻፈፍ ዓቕሊ ከርእዩን እዩ ጸዊዑ ዘሎ።

ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ኽግመት ጸኒሑ እዩ።