ጉጅለ ህግደፍ ነቲ “ንሃገራውያን በዓላት ባይታ ገይሩ ክመጻኒ ይኽእል’ዩ” ኢሉ ዝሰግኣሉ ህዝባዊ ተቛውሞ ንምቕያድ ዘውፍሮ ጸጥታዊ ቅድመ ምድላዉ ብዝኸረረ መልክዑ ንምትግባር ተበጊሱ ከምዘሎ ወከልቲ ኤሪሳት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ቅንያት መበል 32 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ሒደት ሰሙናት ተሪፍዎ ኣብ ዘለውሉ ግዜ፣ ልዑል ቊጽሪ ኣባላት ስለያን ጸጥታን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቁልፊ ከባቢታት ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ተዋፊሮም ኩሉንትናዊ ንጥፈታት ህዝቢ ኣብ ምክትታል ክነጥፉ ዝእዝዝ መምርሒ ድሮ ተመሓላሊፉ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኣልማሚ ግፋ ንነኣሽቱ መንእሰያት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ኣብ’ዚ ካብ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ክኸርር ተወሲኑ ዘሎ ሓለዋን ኮለላን ዝዋፈሩ ኣባላት ፡ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሰላማዊ ህዝቢ ደረት ዘይብሉ ቀይዲ ከተግብሩ፥ ዘውርድዎ በደል ድማ ኣብ መጻኢ ዘየሕትቶም ከምዝከውን እዩ እቲ ተመሓላሊፉ ዘሎ ሓድሽ ትእዛዝ ዘረድእ።

ኣብ ግዜያት መዓልቲ ናጽነት ናብ ከተማታት ዝውሕዝ ቊጽሪ ኣባላት ጸጥታን ዝብርኽ ስለያዊ ኮለላን ህግደፍ ልሙድ እኳ እንተኾነ፥ ኣብዚ ግዜ’ዚ ክኸርር ተደሊዩ ዘሎ ዘቤታዊ ቊጽጽር ግና ብዓይነቱን ውዳቤኡን ፍልይን ትርርን ዝበለ ከምዝመስል ፥ እዚ ድማ ህግደፍ ነቲ ዝውህለል ዘሎ ህዝባዊ ጽለኣትን – እቲ ጽለኣት ዝደፍኦ ዘሎ ንለዉጢ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝብህግ ሓይልን ኣዚዩ ሰጊኡሉ ከምዘሎ ዘረድእ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።