ተቛውሞ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ዕለታዊ እንዳዛየድ ይመጽእ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም። ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ሰራዊትን ፖሊስን ፈደራል ንምጽንባሩ ብመንግስቲ ተታሒዙ ዘሎ ብምቅዋም ብህዝቢ ክልል ኣምሓራ ተጀሚሩ ዘሎ ተቛዉሞ ድሮ ኣብ 6 ከተማታት እታ ክልል ተራእዩ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብፍላይ ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ጠያይቲን መዳፍዕን ናብ ሰማይ ብምትኳስ ተቛውሞኦም ከንጸባርቚ ከምዝተራእዩ ዝሓበሩ እቶ ም ጸብጻባት፣ ህዝባዊ ተቛዉሞ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ብቐሊሉ ዝሃድእ ከምዘይመስል ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምኡ’ዉን ሰብመዚ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዛጊት ኣብ ዘዉጽዎም መግለጺታት ፣ ካብ’ታ ክልል ዝርአ ዘሎ ተቛዉሞ ደዉ ኢሉ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ተጀሚሩ ዘሎ መደብን መምርሒታቱን ኪምእዘዙ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ፣ ብዛዕባኡ ንምዝታይ ዘኽእል ኣማራጺታት ኣይተሰርዐን ዘሎ።
ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ፣ ኩለን ክልላት ናይ ባዕለን ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ክምልምላን ከዕጥቃን ዝጸንሓ ኮይነን ፣ ምስ ምዉላዕ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ – ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ኩሉ ህዝቢ ኣምሓራ ተሓናፊጹ ናብ ናይ ሰራዊት መልክዕ ተቓሪቡ ምህላዉ ይንገር።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ኪፈትሑ ጌሩ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉያት ሓይልታት ኩለን ክልላት ናብ ፈደራላዊ ፖሊስ ወይ ሰራዊት ምክልኻል ኣላፊንካ ንምምእካለን መደብ ሒዙ ኪሰርሕ ምጅማሩ ይንገር።
ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ኽግመት ጸኒሑ እዩ።
እዋናዊ መግለጺ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘምልክቶ ሓደ ሓቂ ድማ፣ እቲ መደብ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኣምሓራን መንግስቲ ፈደራልን ሓድሽ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኪዉላዕ ጠንቂ ኪኸዉን ከምዝኽል እዩ።
ጉዳይ ዋንነት መሬት ከባቢታት ወልቃይትን ጸገዴን ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ሓጺር እዋን ዘይዓርፍ ምስሕሓብ ኣንጊሱ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ከጻንሖ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ህግደፍ ፣ ንሓይልታት ኣምሓራ ካብ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኽናገፉ ገዚፍ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ደገፍ ብሕቡእ ክቕርብ ምጽንሑ እዉን ኣይርሳዕን።