ኣብ ርቡሕ መንብሮ ተኾይጦም ጸገም ህዝቦም ዝርስዑ ዘለዉ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ማዕረ’ቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ይፍጽሙ ከምዘለዉ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ዝኾኑ ኣቦታት ንምንጭታትና ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልኽቲ ኣተሕሳሲቦም።
እቶም ኣቦታት ኣብ መልኽቶም ፥ ህዝብኻ ነዊሕ ተጠሊሙን ትጮቂኑን እናረኣኻ ስቕ ክትብልን ፡ ንጨኳኒ ነዊሕ ክትድግፍን፡ ባህሪ ሓቀኛ ኤርትራዊ ከምዘይኮነ ብምምልካት ፥ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እንዳበሉ ኣብ ልዕሊ ኣውያ ህዝቦም ዝድብሉ ኤርትራውያን ናብ ልቦም ተመሊሶም ሓለንቲ ጽባቔ ሃገርን ህዝብን ክኾኑ እነተዘይወሰኑ ፡ ተሓተቲ ታሪኽ ምዃኖም ክግንዘቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
“ወደይ ካብ መፋርቕ 90ታት ንበረኻ ምስ ተወስደ እነሀ ክሳዕ’ዛ ሰዓት እዚ ብህግደፍ ይበሊ” ዝበሉ ንውሕስነት ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ኣቦ ጸገም ደቅና – ጸገም ኣሕዋቶምን ሰቦምን ብዘይስመዖም ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑ ሰብ ርሑቕ ማዕዶ ይራባሕ ምህላዉ ወቒሶም።
ኣስመራ ጠሊ እንክወርዳ ጥራይ ዓዲ ዝኣትዉ እቶም በደልቲ ህዝቢ መናብርቶም ንዝኾነ ህዝቢ ጓኒዮም ብፍቕዲ ኣጻብዕ ንዝዉከል ጉጅለ ክሕብሕቡ መሪጾም ከምዘለዉ ዘተሓሳሰቡ ካልእ ወላዲ ካብ ሕሰም ህዝቢ ክሰብሑ ዝምነዩ ደገፍቲ ህግደፍ ንመግዛእትን ገዛእትን ኢድ ምንሳእ ከምዘየሕንኾም ብምጥቃስ ቅድሚ እዚ ዝገዝኣና ዘሎ ስርዓት ምምጽኡ ፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያን መራሕቱን እዉን ተመሳሳሊ ፍቕርን ተማእዛዝነትን ይልግሱ ምንባሮም ኣዘኻኺሮም።