ኣብ 31 ናይ ናጽነት ዓመታት ንሃገር ዝርካባ ኣሕዲጉ ፡ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ድሕረት ሸሚሙዋ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ጋኖት ገዛእቲ ኣብ 1940ታት ካብ ሃገር ብዛዕባ ዝዘመትዎ ንብረትን ዘዕነዉዎ ትሕተ ቅርጺን ኣልዒሉ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኪሓሚ ምርኣይ ፣ ኤርትራ ብሓደ ብሕሉፍ እንዳስተማሰለ ድኻማቱ ዘመኽኒ ጸቢብ ጉጅለ ተገዚኣ ምህላዋ ዘመስክር ከምዝኾነ ፡ ሓደ ኣባል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ናብ ኤሪሳት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣብ 11 ሚያዝያ ንዝወጸ ሓተታ ህግደፍ መርኩስ ጌሩ መልእኽቱ ዘመሓላለፈ እቲ ኣባል ፣ ህግደፍ ነቲ ቅድሚ 77 ዓመታት ብገዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ትሕተ ቅርጽን ናይ ሽዑ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዝምታ እንዳዘከረ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ልቦና መሪጹ እምበር ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ መግዛእታዊ ስርቂ ከቢድ ምዃኑ ዘስምዕ ኩኔነ ክጽብብ ክትርኢ፣ እቲ ጉጅለ ክሳዕ ክንደይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 31 ዓመታት ዝፈጸሞ ዘቤታዊ ዕንወት ዛጊት ከምዘየሕንኾ ዘረጋገጸልካ እዩ ኢሉ።

ኣብ ዉሽጢ 31 ዓመታት ሓንቲ ከፍርን ኪሃንጽን ዘይበቕዐ ህግደፍ ብዛዕባ ቅድሚ 70 ዓመታት ዝተፈጸመ መግዛእታዊ ስርቂ ከማርር ምምራጹ ፣ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ጸለመን በደልን ጓኖት እንዳተሓብኡ በደላቶምን ድኻማቶምን ምሽፋን ጥዒምዎም ከምዘሎ የነጽረልካ ዝበለ እቲ ኣባል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፣ ከምዚ ዝበሉ መራሕቲ ድማ ኣብ ስራሕን ልምዓትን ኪነፍዑ ሞራላዊን ብቕዓታዊን ቊመና ስለዘይብሎም፡ ኣብ ስልጣን እንተቐጺሎም ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ዛጊት ኣብጺሖም ዘለዉ ዕንወትን ድሕረትን ከስዕቡ ከምዝኾኑ እዩ ዘተሓሳስብ።

መግዛእቲ ከምዚ ገበረኒ፣ ጋኖት ኣገዱኒ እንዳበለ ንነብሱን ንሃገርን ምትላል ምምኽናይን ዝለመደ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፣ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣዉሪድዎ ንዘሎ ዕንወት ብሰንኪ ጓኖት ከምዝሰዓበ እንዳኸሰሰ ጥራይ ክቕጽል ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ኣሎ።