መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዛይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ንምግታእ ንኩሉዓይነታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን ዝድርት መምርሒ ኣሕሊፉ ከምዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ብ 10 ሚያዝያ ብመንገዲ ኮማንድ ፖስት እታ ክልል ዝወጽአ 11 ነጥብታት ዘካተተ መምርሒ፣ ሰዓታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን መዘናግዒ ማእከላትን ኣጻቢቡ ፣ ብዘይካ ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ሰራዊትን ዝኾነ ሰብ ብረት ሒዙን ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱን ኣብ ጎደና ከይንቀሳቐስ ፣ ነበርቲ ድማ ህዝባዊ ምትኽካባት ከይውድቡ ዝኽልክል እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዓርግ ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ልዑል ስግኣት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ስርዓት ናይ ምኽባር ወፈራ ከቃንዕ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎን ፣ እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈተነ እሞ ጠንቂ ገዚፍ ኲናት ሓድሕድ ኪኸዉን ዝተራእየ ኩነታት ከይፍጠር ዘሰክፍ ምዃኑ የረድኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ብፍሉይ ሓይሊ ዝፍለጥ ኣህዱ ጸጥታ ክልላት ገዚፍ ዳግመስርርዕ ብምትግባር- ኣባላት እቲ ኣሃዱ ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ንምጽንባሮም ሓንጺጽዎ ዘሎ መደብ ካብ ህዝቢን ሓይልታትን ክልል ኣምሓራ ተሪር ተቛውሞ ኣስሚሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ሓንቲ ክልል ናታ ኣሃዱ ፖሊስ ጥራይ ክህልዋ ፣ ዝተረፉ ኩሎም ኣባላት ፍሉይ ሓይላ ግና ናብ ሰራዊትን ፖሊስን ፈደራልን ኢትዮጵያ ተጸንቢሮም ብዝተማእከለ ኣገባብ ንጸጥታን ድሕነትን ሓንቲ ኢትዮጵያ ደዉ ክብሉ ተደልዩ ከምዘሎ ዝሕብር መንግስቲ እታ ሃገር፣ ብብሄርን ቀቢላን ተማቒሉ ዝህነጽ ሰራዊት ኣስራሒ ከምዘይኮነን ቅዋም ኢትዮጵያ እዉን ከምዘየፍቅድን እዩ ዘተሓሳስብ ዘሎ።
እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝግበር ዘሎ ዳግመ ስርርዕ እንትርፎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ካልኦት ክልላት ብዘይጸገም ይቃናዕ ምህላዉ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገለጸ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን መንግስቲ ንፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዕጥቁ ከምዘይዉርድ ጌሩ ከዳቕቘ እዩ ሓሳቡ ዝብል ግጉይ መረዳእታ ነጊሱ ተቛዉሞታት ይቀላቐል ምህላዉ ሓቢሩ እዩ።
ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ኽግመት ጸኒሑ እዩ።