ህግደፍ ምስ ኣብ ዞባ ከሰላን ከተማ ካርቱምን ዝመደበሮም ኣሰጋገርቲን ደላሎን ምስጡር ርክባት የዛይድ ምህላው ምንጭታት ኤሪሳት ካብ’ታ ሃገር ሓቢሮም።

ክፍሊ ስለያ ህግደፍ ኣብ’ቶም ናይ ሱዳን ከባቢታት ምስ ዝነጥፉ ኣሰጋገርትን ደለልትን ብቐጻሊ ርክብ ከካይድን ነቶም ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰብ ንነውሕ እዋን ዝሰርሑ ገበነኛታት ሕድገት ከምዝገበረሎም ክሕብርን ምቕናዩ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ከኣ እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ’ቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ጎረባብቲ ሃገራትን ንዘሰክፍዎ ውልቀሰባትን ሓለፍትን ንምህዳን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ንኽተሓባበርዎ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣባላት ስለያ ህግደፍ ዝርዝር ኣስማትን ድሩቓት ኣሳእልን እቶም ካብ ኢዶም ተሰዊሮም ኣብ ሱዳን ይህልዉ ይኾኑ እዮም ዝብልዎም ውልቀሰባትን ወተሃደራውያን ሓለፍትን ናብቶም ብምስጢር ዝራኸብዎም ዘለዉ ኣሰጋገርትን ደለልትን የካፍሉ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቶም ኣሰጋገርቲ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዝርዝር ኣስማት ሰፊሮም ዘለዉ ሰባት ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ዝረኽቡሉ ብቐጥታ መልእኽቲ ከመሓላልፉን ነቶም ዝድለዩ ሰባት ኣብ ምቕያድን ምዕፋንን ክተሓበብሩን ተነጊርዎም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ነዚ ምስጡር ወፍሪ ብመሪሕነት ንምኩዋን እውን ዕሉላት ምኻኖም ካብ ዝግለጹ ኣሰጋገርቲ ናብ ኤርትራ እንዳበጽሓ ፍሉይ ስልጠና ብምሃብ ዳግማይ ናብ ውሽጢ ሱዳን ክኣትዉ ተጌሩ ከምዘሎ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ’ቲ ፍሉይ ስልጠና ዝተኻፈሉ ኣሰጋገርቲ ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝፈጸምዎ በደላት ዝልለዩ ከምዝኾኑ ኣነጺሮም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ’ቲ መርበቡ ኣስፊሑ ዘሎ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ብዝተራቐቐ ሜላ ሱታፌኡ የመስክር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ንኣሰጋገርትን ደላልሎን ሰፊሕ ባይታን ዕድላትን እናፈጠረ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት በደላት ከዛይድ፥ ብከቢድ ገበናት ክሕተቱ ዝግብኦም ኣሰጋገርትን ደላሎን ናብ ኤርትራ ከም ድላዮም ክኣትዉን ክወጹን ፈቒዱ ድማ ተንቀሳቐስትን ቀዎምትን ንብረት ከጥርዩ ተሓዲጎም ከምዘለዉ ይንገር።

ብመንገዲ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ካርቱም ተመልሚሎም ኣብ’ቲ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝሕይል ዘሎ ግፋን ማእሰርቲን ኽተሓባበሩ ተነጊርዎም ዘሎ ገለ ኤርትራዉያን ኣሰጋገርቲ እዉን ክፋል ናይቲ ብምስጢር ኪስረሓሉ ዝጸንሐ ወፈራ እዩ።