ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ቊጠባዊ ይዂን ፖለቲካዊ ጽገና ኽገብር ከምዘይኮነ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ደጊሞም ኣዘኻኺሮም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተመኽኒሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ህወሓትን ኢትዮጵያን፣ መዕረፊ ኣብ ዝርከብሉ ዘሎ እዋን ህግደፍ ካልእ ጸጥታዊ ስግኣት ፈብሪኹ ንህዝብና ኣብ ቀጻሊ ኲናትን ሕሰምን ኽነብር ዘኽእሉ ሓያለ ሽርሕታት ሰሪዑ ምህላዉ እዮም ዘተሓሳስቡ።

ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን ንቊጠባዉን ደሞክራስያዉን ልምዓት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓሲቡ ከምዘይፈልጥ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ሃገር ከይትለምዕን ከይትግስግስን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት እንተቒህሙ ፣ ምስ ሱዳንን ጁቡቲን ነገር ብምጽሕታር፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ሶማል ብምስታፍ ተወሰኽቲ ምኽንያታት ከቃንዕ መደብ ከምዘለዎ እዮም ዘረድኡ።

ጉጅለ ህግደፍ ስልጣን መንግስትነት ካብ ዝጨዊ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራጸመሉን፣ ጠንቂ ዞባዊ ሃወኽ ካብ ምዃን ዘየዕረፈሉን ቀንዲ ምኽንያት፣ ህዝቢን ሃገርን ናይ ምምሕዳርን ምልማዕን ዓቕሚ ይዂን ድሌት ስለዝዉሕዶ እዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ድሕሪ እቲ ልዕሊ 20 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ጂሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት ፡ ሕጂ ህግደፍ ናብ ቀልቢ ተመሊሱ ንህዝቢን ሃገርን ብቚጠባን ሰብኣዉነትን ኪመርሕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ከምዘይከኣል ይመኽሩ።

ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዘቃርብ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ሽግር ኤርትራ ብህዝባን ሰራዊታን ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ደጊሞም ኣገንዚቦም ኣለዉ።