መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዛይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ንምግታእ ፣ ንኩሉዓይነታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ንምድራት ኣብ ከተማ ጎንደር ዘሕለፎ ተሪር መመርሒ ፣ ኣብ ከተማታት ደብረብርሃን፣ ባህርዳር ፡ ኮምፖልቻ፣ ወልድያን ደሴን እዉን ከተግብሮ ተገዲዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ንከተማ ጎንደር ስዒቡ ፣ ኣብ ሓያለ ካልኦት ከተማታት ኣምሓራ ከበድቲ ግጭታት ይምዝገቡ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ምንጭታት ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ደብረብርሃን፣ ኮምቦልቻን ባህርዳርን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ግርጭትት ይዛይድ ከምዘሎ የረድኡ።
ብ 10 ሚያዝያ ብመንገዲ ኮማንድ ፖስት እታ ክልል ዝወጽአ 11 ነጥብታት ዘካተተ መምርሒ፣ ሰዓታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን መዘናግዒ ማእከላትን ኣጻቢቡ ፣ ብዘይካ ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ሰራዊትን ዝኾነ ሰብ ብረት ሒዙን ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱን ኣብ ጎደና ከይንቀሳቐስ ፣ ነበርቲ ድማ ህዝባዊ ምትኽካባት ከይውድቡ ዝኽልክል እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዓርግ ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ልዑል ስግኣት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ስርዓት ናይ ምኽባር ወፈራ ከቃንዕ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎን ፣ እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈተነ እሞ ጠንቂ ገዚፍ ኲናት ሓድሕድ ኪኸዉን ዝተራእየ ኩነታት ከይፍጠር ዘሰክፍ ምዃኑ የረድኡ።
መንግስቲ ንፍሉያት ሓይልታት ኩለን ክልላት ናብ መሳርዕ ሰራዊትን ፒሊስን ፈደራል ንምጽንባር ጀሚርዎ ዘሎ መስርሕ ዘተኸፍለ ዋጋ ይከፈል ክቕጽል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰንበት ኣተሓሳሲቡ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ብፍሉይ ሓይሊ ዝፍለጥ ኣህዱ ጸጥታ ክልላት ገዚፍ ዳግመስርርዕ ብምትግባር- ኣባላት እቲ ኣሃዱ ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ንምጽንባሮም ሓንጺጽዎ ዘሎ መደብ ካብ ህዝቢን ሓይልታትን ክልል ኣምሓራ ተሪር ተቛውሞ ኣስሚሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝግበር ዘሎ ዳግመ ስርርዕ እንትርፎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ካልኦት ክልላት ብዘይጸገም ይቃናዕ ምህላዉ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገለጸ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን መንግስቲ ንፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዕጥቁ ከምዘይዉርድ ጌሩ ከዳቕቘ እዩ ሓሳቡ ዝብል ግጉይ መረዳእታ ነጊሱ ተቛዉሞታት ይቀላቐል ምህላዉ ሓቢሩ እዩ።
ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ኽግመት ጸኒሑ እዩ።