ክፍሊት ናይ’ቲ ንሽሙ ዘሎ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ሃገርና ልዕሊ ዓቕሚ ዝበዝሐ ተገልጋሊ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ክፍሊት ብመጠን እቲ ምስ ቀጻሊ ምምጻእን ምኻድን ኪትምዝቦ ዘጸገም ኣገልግሎት መብራህቲ ፍጹም ዘይራኸብ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ነቲ ከይተገልገለ ዝኸፍሎ ዘሎ ልዑል ገነዘብ ንምቚጣብ ፣ እቲ ኣጎልግሎት ኪቚረጾ ይመርጽ ምህላዉ የረድኡ።

ህግደፍ ፡ ድሕሪ ምዝላቕ መምርሒታት ኮቪድ-19 ፣ ካብ ህዝቢን ካብ’ተን ንልዕሊ ዓመት ዝኾነ ኣታዊ ዘይገበራ ንግዳዉያን ትካላትን ውህሉል ክፍሊት ምሕታቱ ዝዝከር ኮይኑ፣ ለብዒ ኮሮና ንምግታእ ብዝብል ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ናይ 2020 ደዉ ኢሉ ዝጸንሐ ክፍሊት ኤለክትሪክ ካብ 22 ለካቲት ናይ 2021 ኪጅምር ድሕሪ ምዉሳኑ፡ ኣብ ከቢድ ቊጠባዊ ጸገም ወዲቚ ዝርከብ ህዝብና ነቲ ተዋህሊሉ ዝመጾ ዘሎ ክፍሊት ንምሽፋን ይጻገም ምህላዉ ይንገር።

ጉጅለ ህግደፍ ሓሚቑሉ ንዘሎ ምውሓስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ ፣ ህዝቢ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ በብውልቊ ንዘካይዶ ጻዕሪ ኣብ ምዕንቃጽ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቶም ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምቅላል፡ ዝተፈላለዩ ሜላታት ዝበላሓቱ ዜጋታት ኪቆጻጸሮምን ጸቕጥታት ከዛይደሎምን ይርከብ ።

ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቅይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ወጻኢ ሸሚቱ ናብ ህዝቢ ብልዑል ዋጋ ዝሸጠን ጨንጓዕቲ ሓይሊ ፣ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ተመሊሱ ኪህግረን፣ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ እተን መሳርሒታት ድማ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኽጽዕን ተራእዩ እዩ።

ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝሕይል ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ምስ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ንምቅርራብ ዝሰርሓ መራኸቢ ብዙሓን ንምዉዳቕን እዉን፡ ተጠቃምነት ኣገልግሎታት ኤለክትሪክን መራኸቢታትን ልዕሊ ኻልእ ኣዋን ናብ ዝተሓተ ባይታ ኣዉሪድዎ ይርከብ።