ኩነታት ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላት ግብጺ ተታሒዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ዛጊት ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘይተገብረሉ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ካይሮ ሓቢሮም።
መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዘርእዮ ጭካነ ከምዘለዎ ይቕጽልን ፣ ነቶም ስደተኛታት ብከዉሊ ካብ ምጥራዝ ከምዘየዕረፈን ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ጉዳይ መሰረታዊ ፍታሕ ኽርከበሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ጎስጓሱ ከዛይድ ተማሕጺኖም።
ኣብ ካባቢ ኣስዋን ዓሰርተታት ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ክልተ መዳጎኒ ማእከላት ሕሰም የሕልፉ ምህላዎም ዝተሓበረ ኮይኑ፣ ‘ሸላል’ ኣብ ዝተባህለ መዶጎኒ ማእከል ብውሑዱ 15 ኤርትራዉያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ‘ደራዊር’ ኣብ ዝተባህለ ካልእ ማእከል ድማ ልዕሊ 45 ኤርትራዉያን ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ምህላዎም ተቓሊዑ ነይሩ።
ኣብተን ክልተ መዳጎኒ ማኣከላት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ፡ ከም ኩሎም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግብጺ ተዳጒኖም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብግዲ ንኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋታት ዘንጸላለዎም ምዃኑ፣ ድሮ ቊጽሮም ብልክዕ ዘይተረጋገጸ ካብኣቶም ብከዉሊ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ከምተገብረ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድ።
ኣስታት 300 ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዘተፈላለያ ከተማታት ግብጺ ተዳጒኖም መጥረዝቲ ይጽበዮም ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።
መንግስቲ ግብጺ ንዓመታት ዳጒኑ ከሳቕዮም ዝጸንሐ ክልተ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናይ 2021 ኽጥርዞም ዘድሊ መስርሕ ኣጻፊፉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብዉልቂን ብሓባርን ብዘካየድዎ ጻዕሪ፡ መጥረዝቶም ተወንዚፉ ናብ ካናዳ ክግዕዙ ከምተገብረ ኣይርሳዕን።