ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ጠልባት ህይወትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም መሳርሒ ጭኮና ብምጥቃም ፡ ህዝቢ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ክሳቐ ምግባር ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ፡ ወኪላት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።

ንሶም ኣብ ሓበሬታኦም፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ እኹል መግቢን ማይን፣ ኣገግሎታት ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታትን ኤሌክትሪክን ከምዝሓስሞ ጌርካ ፡ ፍጹም ተገዛኢን ተንበርካኺን ንምግባሩ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ካብ ዝስረሓሎም ዘሎ ፖሊሲታት ሓደ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም ኣለዉ።

ህዝቢ ብስእነት መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ቀዪድካ፣ ካብ ልምዓት ከምኡ’ውን ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተወዳዳርነት ነጺልካ ንምኹርናዑ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ይስራሕ ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ እቶም ወኪላት፣ ናይ’ዚ መለሳ፤ መነባብሮ፡ ቊጠባዊ ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊን ቴክኖሎጂካዊን ብቕዓት ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ተጎቲቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ መግዛእቲ ኽብድህ ዘኽእል ዉሽጣዊ ዓቕሚ’ዉን ዉሒዱ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ጉጅለ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ንወቕታዊ ርኽበትን ሰንሰለታዊ ስእነትን መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ጥራይ ኸስተብህልን ኽግዛእን ጌርካ ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ኩነታት ሃገር ብዊንታኡ ጥራይ ኽምእዘን ጌሩ ምህላዉ ደጊሞም ዘዘኻኸሩ እቶም ወኪላት፣ ንመሰረታዊ ጠለባት ህይወት ከም መሳርሒ ጭኮናን ምልኪን ጌሮም ካብ ዝጥቀሙ መለኽቲ ስርዓታት ፡ ህግደፍ ብቐዳምነት ከምዝጥቀስ ኣብሪሆም።

ብዘይካዚ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ነጻ ጉልበቱ ኣፊሱሎም መለሳ ኣብ ዘይረኸብሎም ናይ ልምዓት መደባት ንዓሰርተታት ዓመታት እንዳህለኸ ፣ ሓይሉን ግዛኣቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኸረጋግጽን ኽግምግምን እዩ ዝርአ።

ተገዛእነት ህዝቢ ንምምስካር ጥራይ ፡ እዋናዉነት ዘይመርጹን፡ ብዝቐለለ ጸዓት ኪዕመሙ ዘየሸግሩን ናይ ልምዓት መደባት ንምስልሳል፡ ሽማግለታት እዉን ዘይንሕፉ ዘየቋርጹ ህዝባዊ ወፈራታት ምክያድ ፡ መሰረታዊ ዕላማኦም ልምዓትን ህዝባዊ ረብሓን እንተዝነብር፡ ወፊሮምን ተዓሚሞምን ዝበሃሉ መደባት ልምዓት ኣእላፋት ክንሶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ሕሰም መነባብሮ ይቕጽል ኣይመሃለወን ዝብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ሃገርና ብዙሓት’ዮም።