ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሓመቲ) ዝምራሕ ብሓይልታት ንጡፍ ደገፍ ዝጽዋዕ ምልሻን ኪዛይድ ዝጸንሐ ዘይምስምማዕ ፣ ነቲ ዝሓለፈ 11 ሚያዝያ ኪቘዉም ዝነበሮ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮሊፉ ከይኣክል፣ ነታ ሃገር ናብ ኣስጋኢ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣምሪሑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ልዑል ቊጽሪ ኣባላት ናይቲ ዕጡቕ ምልሻ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሰሜናዊት ዞባ ዘደላድሎ ዘሎ ዕርዲ፡ ናብ ከባቢታት ካርቱም ኣትዩ ከምዘሎ ዝብሩ እቶም ምንጭታት፣ ሰራዊት ሱዳን ነዚ ምንቅስቓስ ንምግታእን ንምኽርዳንን ተወሳኺ ሓይሊ የዋፍር ብምላዉ እቲ ኩነታት ናብ ኣዕናዊ ኲናት ከየምርሕ ተሰጊኡ ምህላዉ የረድኡ።

ሓመቲ ዝመርሖ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ክሳዕ 100 ሽሕ ኣባላት ክዉንን በቒዑ ምህላዉ ዝንገረሉ ዕጡቕ ምልሻ ፡ ኣብ’ቲ ኪቐዉም ዝጸዓረሉ ዘሎ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገር ብኸመይ ናብ ወግዓዊ ሰራዊት ይላፈን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ ፣ ኣብ ሞንጎ እቶም ንእዋናዊ መንግስቲ ኣብ ዝመርሕ ዘሎ ልኡላዊ ባይቶ ናይ መራሒን ምክትልን ስልጣን ወኒኖም ዘለዉ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃንን ሓመቲን ምትፍናን ኪዓርግ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዝበዝሓ ፖለቲካዉያን ዉድባት እታ ሃገር ብዉቂን ብሓባርን ኣብ ዘውጽኣኦም ዘለዋ መግለጺታት ፣ እቲ ኣሰካፊ ተርእዮ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ኪቐዉም ዝጉየየሉ ዘሎ ሲቪላዊ ስርዓት ዳግማይ ዝቐትል ጥራይ ዘይኮነ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝሸምም ከምዝኸዉን እየን ዘተሓሳስባ ዘለዋ።

እቲ ናይ ሕሜቲ ኣሃዱ፣ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝመዓራረ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብ ዝዉንን ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዝተኻየደ ዕልዋን ፣ ኪንይኡ ኣብ ዝቐጸሉ ወተሃደራዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ስልጣን ኪጸንሕ ዘኽኣሉ ስጒምትታትን ዘይነዓቕ ተራ ዘመስከረ እዩ።

“ሓይልታት ንጡፍ ድጋፍ” ዝገዘፈ ክፋሉ ብኣባላት ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ብ ጃንጃዊ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕጡቕ ጉጅለ ዝቖመ ወገን ምዃኑ ይፍለጥ። ዕጡቕ ጉጅለ ጃንጃዊ ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ፈለማ 2000 ዝተወልዐ ግጭት ንምብዳህ ብፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ዝተጣየሰ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኲናት ብህልቂት 300 ሽሕ ሰላማዉያን ሰባት እዩ ዝኽሰስ።