ምስ ክልል ኣምሓራ ከደላሎ ዝጸንሐ ኩሉዓይነታዊ ዝምድና፡ ምስ ምኽታም ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኢትዮጵያ ዝኸስሮ ዝመስል መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ እቲ ኣብ ሱዳን ብመሓዝኡ ዝኾነ ጀነራል ማሕሙድ ሓምዳን ደጋሎ (ሓመቲ) ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ዓወት ኪበጽሕ ኣመና ተሃንጥዩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።

ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐረበ ምሕዝነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ሓመቲ ፡ ኣብዚ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ከፊትዎ ዘሎ ግጭት እንተዘይተዓዊቱ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከስምሮ ዝሃቀነ ጽልዋ ኪኸስር ብምዃኑ፣ ንእዋናዊ ኩነታት ሱዳን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ እዩም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።

ኣብ’ዚ ዞባ ዘለዎ ተሰማዕነትን ጽልዋን ንምርባሕ ኪጎዪን፡ ከም ተጠማቲ ኣማራጺ ክቚጸር ኪሃልኽን ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ፍቐዶ ሃገራት እዚ ዞባ ህዉኻት ዝምድናታት እንዳገተረ ኣብተን ሃገራት ነዊጺ ፈጢርካ ከም ዓራቒን ሓላዪን ንምምሳል ዝተለሞ መደብ ይፈራኸሾ ከምዘሎ እዉን እቶም ምንጭታት የረድኡ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብተን ዝምድናታቱ ዘሐደሰለን ዘሎ ሃገራት እዚ ዞባ ፡ ስለያዊ መርበባቱ ከደላድል ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሓቢሮም ነይሮም እዮም። ንሶም ኣብ ሓበሬታኦም፣ መራሒ ህግደፍ ምስ መንግስታት እዚ ዞባ ከሐድሶ ዝህወኸሉ ዘሎ ዝምድና ንሓባራዊ ዕብየት ዝዓለመ ዘይኮነ ፣ ህላዌን ጽልዋን ኣመስኪርካ ነዚ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ሃወኽ ከምዝሰምር ብምግባር ከም ተደላዪን ሸምጋሊን ንምዃን ዝተሃንደሰ ምዃኑ’ዮም ኣነጺሮም።

መራሒ ጉጅለ ሓድሽ ቅዲ ዞባዊ ዲፕሎማሲ ኣዉፊሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ቅዲ እዚ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣናዮ ኩሉዓይነታዊ ዕንወት ኣብ ካልኦት ሃገራት እዚ ዞባ እዉን ንምድጋሙ ዝሓለነ ምዃኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘተሓሳስቡ። ህግደፍ ነዚ ልሙድ ስልቱ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ፈቲንዎ ዘይነዓቕ ዉጽኢት ክረኽበሉ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።

ኪንዮ’ቲ ነዚ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽ ኣንቢርካ ስልጣንካ ምንዋሕ ዝብል ፖሊሲ ፡ ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ዝዕንትር ዘሎ ኤርትራዊ ቃልሲ ንፍትሒ ፡ መሳርዑ ኣደልዲሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይቃረብ ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰግእ ብምህላዉ እዉን ኣብ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ዘዋፍሮም ሰለይቲ ቊጽሪ የዛይድ ከምዘሎ ይንገር።