ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኢትዮጵያ ዕምሩ ከምዘብቅዐ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻን ብርሃኑ ጁላ ኣፍሊጡ። እቲ ወተሃደራዊ በዓልስልጣን ኣብ’ቲ ንመስርሕ ናይቲ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ናይ ዳግመስርርዕ መደብ ንምግምጋም ኣብ ዝተቓንዐ ኣኼባ ተረኺቡ እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

ምኽታም እቲ ፍሉይ ሓይሊ፣ ንሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝተማእከለ ኣገባብ ንምምሕዳሩ ዘኽእል ምዃኑ ዝጠቐሰ ብርሃኑ ጁላ፣ ክልላት ሓይሊ ፖሊስ እንተዘይኮይኑ ሰራዊት ክዉንና ከምዘይኮና እዩ ኣረጋጊጹ ዘሎ።

እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባዊን ብረታዊን ተቛዉሞ እዉን መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ ባይታ ኽትግበር ጀሚሩ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ኽግመት ጸኒሑ እዩ።

ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ፣ ኩለን ክልላት ናይ ባዕለን ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ክምልምላን ከዕጥቃን ዝጸንሓ ኮይነን ፣ ምስ ምዉላዕ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ – ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ኩሉ ህዝቢ ኣምሓራ ተሓናፊጹ ናብ ናይ ሰራዊት መልክዕ ተቓሪቡ ምህላዉ ይንገር።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ጌሩ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉያት ሓይልታት ኩለን ክልላት ናብ ፈደራላዊ ፖሊስ ወይ ሰራዊት ምክልኻል ኣላፊንካ ንምምእካለን መደብ ሒዙ ክሰርሕ ምጅማሩ ይንገር።

ምኽታም ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኢትዮጵያ ፣ ንተሰማዕነትን ሓይሊን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘደላድል ከምዝኸዉን ዝሕብሩ ወገናት፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ጉዳይ ምሉእ ብምሉእ እንተተዓዊቱ፣ ነታ ኣብ ቀጻሊ ቀቢላዊን ክልላዊን ምትፍናን እትደክም ዘላ ሃገር ናብ ዝሓሸ ጎደና ከምርሓ ከምዝኽእል እዮም ዝምጉቱ።

ነዚ መጎተ እዚ ዝቃወሙ ካልኦት ወገናት እዉን፣ ምብቃዕ ፍሉይ ሓይሊ ንበትረስልጣን ኣቢይ ኣሕመድ ኣደልዲሉ፡ እቲ መራሒ ተሓታትነት ብዘይብሉ መላኺ ኣካይዳ ትካላዉነትን ቅዋምነትን ክጥሕስ ባይታ ዘንጽፈሉ ምዃኑ ይዛረቡ።