ኣብ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ፡ ብጀነራል ማሕሙድ ሓምዳን ደጋሎ ዝእዘዝ ሓይልታት ንጡፍ ደገፍን ማለት RSF ጀሚሩ ዘሎ ጎንጺ ንሳልሳይ መዓልቱ ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ። ክልቲኦም ተራጸምቲ ብበሸነኾም ናይ ዓወትን ጸብለልታን ዜናታት እኳ የካፍሉ እንተለዉ፣ ዛጊት ብነጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ነገር ግን የለን።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኡምዱርማንን ፖርትሱዳን ንዝርከቡ መዓስከራት RSF ብነፈርቲ ከምዝደብደበ ኪሕብር እንከሎ፣ ኣብ መረዊ ንዝርከብ ማኣከላይ ቤትጽሕፈት ናይቲ ዕጡቕ ምልሻ ሓዊስካ ልዕሊ 6 መዓስከራት ከምተቘጻጸረ ይገልጽ። ሓይልታት ጀነራል ደጋሎ ብወገኖም ንዝሰፍሐ ወተሃደራዊ ትሕተቅርጺ ከተማ ካርቱም ኣብ ኢዶም ከምዘእተዉ እዮም ዝዛረቡ።
ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡራን ነቲ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መሰጋገሪ ስርዓት ንምስግጋር ተቓሪቡ ዝጸንሐ መስርሕ ክቕበሎ ድሌት ከምዘይነበሮ ፣ ነዚ ብምምኽናይ ድማ ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ጀነራል ዳጋሎ ናብ ኣልጀዚራ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ኣረዲኡ።
በቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ጽዒቚ ዘሎ ግጭት ዛጊት ልዕሊ 60 ሰባት ከምእተቐትሉን ኣማኢት ካልኦት ከምዝቘሰሉን ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ እቲ ግጭት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደዉ እንተዘይሉ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ዕንወት ክስዕብ ምዃኑ እዮም ዘጠንቅቚ።
RSF ኣብ መረዊ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ ንዓሰርተታት ግብጻዉያን ወተሃደራት ማሪኹ ከምዘሎ ብምሕባሩ እዉን፣ እታ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ጥቡቕ ምሕዝነት ዘለዋ ግብጺ ዝኾነ ስጒምቲ ኪትወስድ ልዑል ተኽእሎ እኳ እንተሃለወ፣ ዛጊት ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ኪቐርቡን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ኪፈትሑን እያ ትጽዉዕ ዘላ። ኣብ ጎድኒ ግብጺ ብምዃን እዉን ፣ ደቡብ ሱዳን ነቶም ተጓነጽቲ ንምሽምጋል ጠለብ ኣቕሪባ ኣላ።