ህግደፍ ብዛዕባ’ቶም ብኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ፣ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን መሓዉራቱ ዝተገብሩ እገዳታት፡ ግጉይ ሓበሬታ ምሃብ ይቕጽሎ ኣሎ።
ኣማኻሪ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሓንቲ ‘ብላክ ኣጀንዳ ሪፖርትፕ’ ዝስማ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዘቃንዖ ቃለምልልስ፡ ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስዱ በይናዊ እገዳታት ንመነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቚ እዩ ብድፍረት ተንቲኑ።
እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቊጠባ ኤርትራ ከቢድ ሃስያ ከምዘብጽሐ ድሕሪ ምምዳሩ ፣ “ዓለማዊ ቊጠባን ወፍሪን ደኣ እንታይ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ባይታ ስኢኑ ንዝብል ሕቶ” ፣ ኩለን ኣህጉራዉያን ትካላት ንኣመሪካ ፈሪሐን ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ክገብራ ኣይመረጻን ክብል እዩ ኣቶ የማነ ሞጊቱ። እዘን ኩለን ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራ ወፊረን ንጉጅለ ህግደፍ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝገዝማ ዘለዋ ኩባንያታት ወጻኢ ደኣ ብኸመይ ይነጥፋ ኣለዋ ንዝብል ግድል ግን ኣቶ የማነ ዝዘንግዖ ይመስል።
እገዳታት ኣመሪካ ፣ ነቶም ንመነባብሮ ህዝቢ ዝጸልዉ ናይ ሕርሻ፣ ጥዕና ፣ ብሕታዊ ንግድን ካልእን ጽላታት ዝትንክፍ ከምዘይኮነ ብቐጻሊ ዝሕብር መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ገንዘብ እኳ ከምዘይተኸልከለ ብምብራህ፣ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝዉሰኑ እገዳታት፣ በቲ ጉጅለ ንዝዉነኑ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዘይጸንሑ መሓዉራት ዘነጻጸሩ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ኣመሪካ ካብ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒዓቶም ተባሂሎም ብጉጅለ ህግደፍ ዝምደረሎም እገዳታት ፡ ኤርትራዉያን ነጋዶ ብመሬትን ባሕሪን ከይነግዱ ዝኽልክሉ ከምዘይነበሩ፡ በንጻሩ ህግደፍ ንኹሉዓይነታዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ቆሊፉ ይኸይድ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ንልዕሊ 1,200 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ባሕሩ ከይነግድን ከይገፍፍን፡ ካብን ናብን ከተማታትን ዓድታትን ሃገሩ ተንቀሳቒሱ ከይሰርሕ፣ ከምኡዉን ናይቶም ካብ መሬቱ ተፋሒሮም ልዑል ኣታዊ ዝርከቦም ዘሎ መዓድናት ተጠቃሚ ከይከዉን ገይሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ፡ እገዳታት ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘሕለፈቶም እገዳታት፡ ናብ’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከይነግድን ከይለምዕን ብህግደፍ ተኣጊዱ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዘነጻጸሩ ከምዘይኮኑ እዉን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘውጽኦም መግለጺታት ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ።