ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓፈሻ ከባቢታት ጎንደር ድማ ብፍላይ ፣ ብጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ኣምሓራን ክነቱግ ዝኽእል ግጭት ኣብ ሽቚረራ ምህላዎም ምንጭታት ካብ’ታ መዓስከር ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ህላዌ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዕምሩ ኣብቂዑ እዩ ይብል እኳ እንተሎ ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ጉዳይ ልቦም ኣዉዲቘም ኪቕበልዎ ይመርጹ ብዘይምላዎም፣ እቲ ኩነታት ናብ ዘይተደልየ ግጭት ኣምሪሑ ንሰላማዊ ህዝቢ በሓፈሻ ነቶም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ግዳይ ከይገብሮም ተሰጊኡ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ዘሎ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝሒ ልዕሊ 25 ሽሕ ከምዝግመት ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፣ ነቲ መዓስከር ንኽሕልዉ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ዝተመዘዙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ይንገር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ኩለን ክልላት ዝመደቦ ዳግመ ስርርዕ ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ከምሳዕቤኑ ኣብ ሓያለ ከባቢታት እታ ክልል ህዝባዊ ተቛዉሞታት ክርአን ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ኣምሓራን ሓሓሊፉ ግጭታት ክምዝገብን ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሪዖዎ ዘሎ መደብ ዳግመስርርዕ ፍሉይ ሓይሊ፣ ከም ናይ ካልኦት ክልላት ኣብ ክልል ኣምሓራ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ ክትግበር ድዩ ኣይፋል ዛጊት ዝተነጸረ ነገር ብዘይምህላዉ፣ ኣብ’ታ ክልል ኣብ ዝርከብ ሓድሽ መዓስከር ኣልመዋጭ ዘለዉ ኤርትራዉያን ክዉላዕ ካብ ዝኽእል ግጭት ኣብ ቀጻሊ ሽቚረራ ከምዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።