ጎረባብቲ ሃገራት ይዂና ካልኦት፡ ኣብ ዉሽጣዊ ኩነታት ሱዳን ኢደን ካብ ምእታዉ ኪቚጠባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣጠንቂቚ።

ባይቶ ጸጥታን ሰላምን እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ግዳማዉያን ወገናት ፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ናብ ሰላማዊ ዘተ ከምርሑ ካብ ምድራኽ ሓሊፎም፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ጸግዒ ወሲዶም ነቲ ግጭት ኣብ ምብኣስ ኣሉታዊ ተራ ከይህልዎም እዩ ተማሕጺኑ ዘሎ።

ብመንገዲ ሓደ ካብ’ቶም ዝራጸሙ ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ሱዳን ጽልዋአንን ረብሓአንን ከረጋግጻ ዝደልያ ሃገራት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣመሪካን ሩስያን ንእዋናዊ ኩነታት ሱዳን መዝሚዘን ብኢደዙር ኪተሃላለኻ ምዃነን እዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝግምቱ።

ዘይመንግስታዊ ዉድብ ኢጋድ ብሰንበት ኣብ ዘቃነዖ ህጹጽ ማንዛዊ ርክብ እዉን፣ ወተሃደራዊ ቅልዉላዉ ሱዳን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምፍታሑ ፣ ንመራሕቲ ሃገራት ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ናይ ሽምግልና ተራ ኪጻወቱ ረቚሑ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ሓይልታት ጀነራል ዳጋሎን ሳልስቱ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ፣ ናበየናይ ሸነኽ የብል ከምዘሎ እኹል ሓበሬታ ተሳኢንዎ ይቕጽልን፣ ኣብቲ ግጭት ናይ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት ሰላማዊ ህዝቢ ቊጽሪ ይዛይድን ከምዘሎ ይንገር።

ማሕበር ሓካይም ሱዳን ኣብ ዝዝርግሖ ዘሎ ሓበሬታ፣ በቲ ግጭት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝርከብዎም ኣስታት 100 ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉን ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ካልኦት እዉን ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዝበጽሖም የረድእ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንናይ ቀረባ መሓዝኡ ዝኾነ ጀነራል ማሕሙድ ሓምዳን ዳጋሎ ብረታዊ መጥቃዕቲ ከቃንዕ ኣተባብቢዕዎ ዝብል ግምታት ካብ ብዙሓት ተንተንቲ ይወጹ ከምዘለዉ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ሱዳናዊ ጀነራል ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ኣስመራ በጺሑ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ዚጋጮ ዘሎ።

ኣብ’ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ፣ ክልቲኦም ተራጸምቲ ብበሸነኾም ናይ ዓወትን ጸብለልታን ዜናታት እኳ የካፍሉ እንተለዉ፣ ዛጊት ብነጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ነገር ግን የለን። እቲ ንከተማ ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ሒደት ከባቢታት እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሰፊሕ ሸፈነ ወኒኑ እታ ሃገር ብቐሊሉ ኪትወጾ ናብ ዘይትኽእል ኲናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ስግኣት ሓያለ ወገናት ኮይኑ ይርከብ።