ወተሃደራዊ ጎንጺ ሱዳን ካብ ቊጽጽር ወጻኢ እንዳኾነን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት እንዳዛየደን ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

በቲ ራብዕቱ ኣቚጺሩ ዘሎ ጎነጽ ዛጊት ሂወት ኣስታት 200 ሰባት ጠፊኡ ምህላዉ ዝሕብር ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር፣ ብኣማኢት ካልኦት ኣካላዊ ሃስያ በጺሕክዎም ሓያለ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከተማ ካርቱም ዓንየን ምላወን የረድእ።

በቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝጽዕቕ ዘሎ ብረታዊ ጎንጺ ኣብ ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብን ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን ብረታዊ ምፍርራሃትን ዝርፋን ኪበጽሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ፣ ከም ኣብነት – መንበሪ ገዛ ናይ ሓደ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት ክራሰ እንከሎ ፣ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ጽዒና ኣብ ልዕሊ እትጓዓዝ ዝነበረት መኪና እዉን ተዂሲ ከምተኽፍተላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሰኑይ 17 ሚያዝያ ፣ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ሃገሩ ዝተገብረ ብረታዊ ፈተነ ፣ ምስ ጀነራል ኣቡርሃንን ጀነራል ሓመቲን ብተናጸል ኣብ ዘካየዶ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ፣ ክልቲኦም ወገናት ተዂሲ ደዉ ከብሉ ኣትሪሩ ብምጽዋዕ ፣ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ናብ ውሑስ ቦታ ንኽግዕዝን በቲ ግጭት ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝበጽሖም ናብ ሕክምና ከምርሑን ንኽከኣል ግዝያዊ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስጒምቲ ኪወስዱ ጸዊዑ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ክልቲኦም ወተሃደራዉያን መራሕቲ ፣ ካብ ሰሉስ 18 ሚያዝያ ካብ ሰዓታት ኣጋምሸት ጀሚሩ ን24 ሰዓታት ዝኸይድ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። እቶም ተራጸምቲ ፣ ብሰኑይ 17 ሚያዝያ እዉን ንሰለስተ ሰዓታት ዝኸይድ ምቚራጽ ተዂሲ እኳ እንተወሰኑ ሻቡ ነቲ ዉሳኔ ኪጥሕሱ ተራእዮም እዮም።

ብዘይካ’ዚ ፣ እቲ ካብ ከተማ ካርቱም ሰጊሩ ናብ ካልኦት ሸነኻት እታ ሃገር ይልሕም ምህላዉ ዝንገረሉ ወተሃደራዊ ረጽሚ ፣ ምትእትታዉ ናይ ጎረቤትን ስግርባሕርን ሃገራት ክረኣዮ ጀሚሩ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ። ካብ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ባይቶ እታ ሃገር ዝኾነ ጀነራላ ሻምስ ኤልዲን ካባሺ ኣብ ዘምሎቘ ዘረባ፣ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንጀነራል ሓመቲ ይሕግዛ ኣለዋ እኳ እንተበለ፣ ኣስማት እተን ሃገራት ግን ኣጠቐሰን ።

ሩስያ ብመንገዲ እቲ ዋግነር ዝበሃል ተዓሳቢ ዕጡቕ ሓይሊ ካብ ሊብያን ጫድን ዕጡቓት ጠርኒፋ ናብ ከባቢ ዳርፉር ከምዝኣትዉ ብምግባር ንሓይልታት ጀነራል ሓመቲ ትድግፍ ኣላ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። ኣመሪካን ከም ስዑዲ፣ ኤማራትን ዝበላ ሃገራት ኣዕራብን እዉን ነቲ ሓንሳብ ናብ ምዕራብ ሓንሳብ ናብ ምብራቕ ክጸጋጋዕ ይማታእ እዩ ዝብልኦ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ይደጋገፋ ከምዘለዋ ዝትንትኑ ወገናት ኣለዉ።

ወተሃደራዊ ጎነጽ ሱዳን በዚ ዘለዎ ናህሪን ግዳማዊ ምትንኻፋትን ኣብ ሓጺር እዋን ዚዓርፍ ከምዘይመስል ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ሱዳናዊን ወገናት ጉዳያቶም ባዕሎም ተቓሪቦም ክፈትሑ እንተዘይመሪጾም፣ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ዉድቀት ክትንቈት ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዮም ዘጠንቅቚ።
ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ድሕሪ’ቲ ናይ 18 ሚያዝያ ህጹር ኣኼባኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ግዳማዉያን ወገናት ፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ናብ ሰላማዊ ዘተ ከምርሑ ካብ ምድራኽ ሓሊፎም፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ጸግዒ ወሲዶም ነቲ ግጭት ኣብ ምብኣስ ኣሉታዊ ተራ ከይህልዎም ኣጠንቂቑ እዩ።