መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ማእከላይ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ምዃን ብዘይምዕራፉ፡ ካብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ከይመጾ ዘይተርፍ ስልታዊ መቕጻዕቲ ከምዘሎ ፡ ኣብ’ቶም ብመራኸቢ ብዙሓኑ ከጋውሖም ጀሚሩ ዘሎ ንስለያዊ ስርሒታት ሃገራት ምዕራብ ዝትርኹ ተኸታታሊ መግለጺታት ይንጸባረቕ ኣሎ።

ኣመሪካን መሓዙታን ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካን ካልኦት ሸነኻት ዓለምን ዘቃነዐኦም ስርዓት ናይ ምቕያር ስርሒታት ከም ሓድሽ ርኽበት ኣምሲሉ ዘቃልሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፣ ክሳብ ክንደይ በቲ ኣብ ልዕሊኡ የንጸላሉ ከምዘሎ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣስተብሂልሉ ዝመስል ሓደጋ ሰጊኡ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።

ካብ ምዕራባዊ ደምበ ቅሉዕ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ከይመጾ ፣ ብታህዋኽ ምስ ሩስያን ቻይናን ክጻጋዕ ተገዲዱ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ብስለያዊ መሓዉራት ኣመሪካን መሓዙታን ሰሊዂ ኪበጽሖ ብዝኽእል መቕጻዕቲ ኣብ ራዕዲ ከምዘሎ፡ በዞም ዕለታዊ ብራድዮ፡ ጋዜጣን ተለቭዢንን ኪደጋግሞም ዝስማዕ ዘሎ ዛንታታት መቕጻዕቲ ሃገራት ምዕራብ ምርግጋጽ ዝከኣል’ዩ።

ኣብ ቬንዝዌላ ከምዚ ተተገብረ ኣብ ሀይቲ ከምቲ ተተደግመ እንዳበለ ፍርሑ ኸካፍል ዝስማዕ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ሃገራት ምዕራብ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ልዕሊኡ ከዋህልለኦ ዝጸንሓ ጽለኣት በሪኹ ከምዘሎ ተረዲዎ፣ ኣብ ልዕለይ ስልታዊ ቅንጸላ ከየቃንዓ ኣይተርፋን እየን ዝብል ርድኢት ወኒኑ ከምዘሎ እዩ ከይተሓተተ ዝምስክር ዘሎ።