ኣብ ኡጋንዳ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝግበር ኣተሓሕዛ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ዝሓሸ ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ ፥ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ`ታ ሃገር ምስ በጽሑ መነባብሮኦም ብወፍርን ዕለታዊ ስራሕን እንዳካወኑ ዝስርቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ምንጭታትና ካብ ከተማ ካብፓላ ከምዝሓበርዎ፥ መንግስቲ ኡጋንዳ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ዝረኸብዎ ስራሕ ክሰርሑን ወፍሪ ከውፍሩን ኣዚዩ ንኡስ ቊጽጽርን ቅድመ-ኲነትን ዘካትት ምሕደራ ተግባራዊ ገይሩ ብምህላዉ ፥ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ከተማ ካምፓላ ብፍላይ ካብታ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝበላ ከባቢታት ድማ ብሓፈሻ ትካላት ደኲኖም ማል ዘኻዕብቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ይዛይድ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝርከባ ብኤርትራውያን ዝዉነና ኣፈረይቲ ጥረነገራትን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ዝኾና ትካላት ኣዚየን ብዙሓት ምዃነን ፥ ኣሽሓት ኡጋንዳውያን ድማ ኣብተን ትካላት ናይ ስራሕ ዕድል ይረኽቡ ምህላዎም እዉን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘሎ ዘይተኣማምን ርግኣት፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ወፍርታት ከካይዱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነጋዶ ጠመተኦም ናብ ጎረቤት ሃገር ኡጋንዳ ከብሉ ገይሩ ብምህላዉ ፥ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ድማ ኣሽሓት ኤርትራዉያን ብመንገዲ ኬንያ ናብ’ታ ሃገር ብምምርሖም ፡ ቊጽሪ ኤርትራውያን ኣዉፈርቲ ኣብ ከተማ ካምፓላን ከባቢኣን ክሳዕ ምዝዛም እዛ ዓመት ክተዓጻጸፍ ከምዝኾነ እዮም መንግስታውያን ምንጭታት ዝሕብሩ።

ኣብ ኡጋንዳ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ሰነዳት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነጥፍ ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር ዘረድእ።