ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓሶትን ዕሱብነትን ከም መለለዪ ሕሉፍ ሃገራዉነት ንምስማሩ ነዊሕ ዓመታት ከምዝሰርሐ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዉሽጢ ሃገር ገሊጾም።
ኤርትራዊ ዜጋ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕርን ብዝኸፍሎ ኹሉዓይነታዊ መስዋእቲን ዘይኮነ ንመራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዘርእዮ ሕሉፍ ተማእዛዝነት ጥራይ ሃገራዊ ክበሃል ከምዝፍቀድ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ህይወቱ፡ ኣካሉ፡ ገንዘቡን መጻኢኡን ብቕንዕና ንሃገር ዘወፊ ዜጋን እቲ ሓርነት ኪነግስ ዝቃለስ ዘሎ ወገንን ዝተሓተ ዋጋ እንዳተዋህቦም፡ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ኮይኑ ብሓሶት እንዳመስከረ ጣዕሚ ናብራኡ እንዳሓለወ ንመራሕቲ ህግደፍ ዝድግፍ ዜጋ ግና ከም ብጹእ ሃገራዊ ጌርካ ናይ ምቕራብ ባህሊ ነጊሱ ከምዘሎ እዮም ዘረድኡ።
ኣብ ኤርትራ ትርጉም ጂግንነትን ሃገራዉነትን ብዓቄትነትን ፈራህ-ተማእዛዚ ብምዃንን ተተኪኡ ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፡ ፈራህን ተገዛኢን ሕብረተሰብ ምህናጽ ካብ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ህግደፍ ሃገራዊ ህንጸት ዝብሎ መስርሕ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ የገንዝቡ።
ንኤርትራ ንጣብ ዘየበርከቱላን ኣብ ሕሉፍ ገድላ ከዲዖም ዘስተለሙን ዜጋታት፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ንነብሶም ከም ሕሉፋት ሃገራዉያን ብምቚጻር ፡ ነቲ ሓቀኛ ሃገራዊ ብጥልመትን ክድዓትን ሃገር ክኸሱን ከናእሱን ዘድፍሮም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ጉጅለ ህግድፍ ነዲቕዎ ዘሎ ትርጉም ሃገራዉነት ንኸምኦም ዝበሉ ምስሉያት ጥራይ ዝሓቊፍ ብምዃኑ እዩ።
ቅድም ምስ ጓኖት ገዛእቲ ኮይኖም ሃገሮምን ህዝቦምን ዘሳቐዩ ዜጋታት፡ ሕጂ ምስ ናይ ዉሻጠ ገዛኢ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ጸገም ህዝብን ሃገርን ክዕልሉ ከምዘይከብዶም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ንምስሉይን ተበላጺን ጥራይ ዘሳሲ ጸቢብ ሃገራዉነት ህግደፍ ዕምሩ ምስ ኣእከለ፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ኤርትራ ዘለዎን ዝነበሮን ሃገራዊ መን ምዃኑ ኪንጽር እዩ ኢሎም።