ሓያለ ሃገራት ምዕራብን ብቚጠባ ዝማዕበላ ገለ ሃገራት ኢስያን ዜጋታተን ካብ ሱዳን ከዉጽኣ ምድላዋት ይገብራ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝተሻቐላ ሃገራት ፣ ዜጋታተን ብእዋኑ ንምዉጻእ መደባት ይሕንጽጻ ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ከም ኣብነት ፣ ጃፓን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኣስታት 60 ዜጋታት ንምውጻእ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገራ ምድላዋት ተጻፍፍ ከምዘላ ሓቢራ ኣላ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን ኣብ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ካብ ዘውፍረን ነፈርቱ ሓንቲ ቀሪቡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ።

ሓያለ ሃገራት ምዕራብ እዉን፣ ዜጋታተን ካብ ሱዳን ንምውጻእ ምድላዋት የቃንዓ ከምዘለዋ ይንገር። ኣብ ቅድሚ ሳልስቲ ፣ መንበሪ ገዛ ሓደ ላዕለዋይ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ካርቱም ብዕጡቓት ወገናት ከምእተራሰየ ዝዝከር ኮይኑ ፣ ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣሳፊራ ኣብ ልዕሊ እትጓዓዝ ዝነበረት መኪና እዉን ተዂሲ ከምተኸፍተ ኣይርሳዕን።

ሓያለ ሃገራት ፣ ዜጋታተን ካብ ሱዳን ናይ ምዉጻእ ሓሳብ ከንጸባርቓ ምርኣየን፣ ወተሃደራዊ ረጽሚ ሱዳን ዝብኣሰ መልክዕ ሒዙ ከይሰፍሕ ንዘሎ ስግኣት ዘራጒድ ኮይኑ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ ፣ እቲ ካብ ከተማ ካርቱም ሰጊሩ ናብ ካልኦት ሸነኻት እታ ሃገር ይልሕም ምህላዉ ዝንገረሉ ወተሃደራዊ ረጽሚ ፣ ምትእትታዉ ናይ ጎረቤትን ስግርባሕሪን ሃገራት ክረኣዮ ጀሚሩ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ። ካብ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ባይቶ እታ ሃገር ዝኾነ ጀነራላ ሻምስ ኤልዲን ካባሺ ኣብ ዘምሎቘ ዘረባ፣ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንጀነራል ሓመቲ ይሕግዛ ኣለዋ እኳ እንተበለ፣ ኣስማት እተን ሃገራት ግን ኣይጠቐሰን ።

ሩስያ ብመንገዲ እቲ ዋግነር ዝበሃል ተዓሳቢ ዕጡቕ ሓይሊ ካብ ሊብያን ጫድን ዕጡቓት ጠርኒፋ ናብ ከባቢ ዳርፉር ከምዝኣትዉ ብምግባር ንሓይልታት ጀነራል ሓመቲ ትድግፍ ኣላ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። ኣመሪካን ከም ስዑዲ፣ ኤማራትን ዝበላ ሃገራት ኣዕራብን እዉን ነቲ ሓንሳብ ናብ ምዕራብ ሓንሳብ ናብ ምብራቕ ክጸጋጋዕ ይማታእ እዩ ዝብልኦ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ይደጋገፋ ከምዘለዋ ዝትንትኑ ወገናት ኣለዉ።

ወተሃደራዊ ጎነጽ ሱዳን በዚ ዘለዎ ናህሪን ግዳማዊ ምትንኻፋትን ኣብ ሓጺር እዋን ዚዓርፍ ከምዘይመስል ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ሱዳናዊን ወገናት ጉዳያቶም ባዕሎም ተቓሪቦም ክፈትሑ እንተዘይመሪጾም፣ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ዉድቀት ክትንቈት ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዮም ዘጠንቅቚ።
ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ድሕሪ’ቲ ናይ 18 ሚያዝያ ሕጹር ኣኼባኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ግዳማዉያን ወገናት ፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ናብ ሰላማዊ ዘተ ከምርሑ ካብ ምድራኽ ሓሊፎም፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ጸግዒ ወሲዶም ነቲ ግጭት ኣብ ምብኣስ ኣሉታዊ ተራ ከይህልዎም ኣጠንቂቑ እዩ።

ዞባዊ ምትኽኻብ ኢጋድ ከም ሸምገልቲ ዝሓጸየሞም መራሕቲ ሃገራት ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን እዉን ናብ ከተማ ካርቱም በጺሖም ምስ’ቶም ኣብ ረጽሚ ዘለዉ ክልተ ጀነራላት ክራኸቡ ምዃኖም እዩ ተገሊጹ ዘሎ።