ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራዉያን ካብ’ቲ ኣብታ ከተማ ዕለታዊ ዝጽዕቕ ዘሎ ኲናት ንምርሓቕ ኣማራጺታት ኣብ ዘናድይሉ ዘለዉ እዋን፣ ናብ ከሰላ ነግዕዝ ኢና ብዝብሉ ሰምሰርቲ ኪምዝመዙ ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ኣቐዲምካ ዝኽፈል ልዕሊ 1200 ዶላር ኣመሪካ ሓቲቶም ነቲ ናብ ዉሑስ ቦታ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ከምዘቃንዑ ዝጉስግሱ እቶም ሰምሰርቲ ፣ ገንዘቦም ምስ ተቐበሉ ንሓያለ ወገናት ኣብ ጉዕዞ ይርሕርሑን ዕድላት መዝሚዞም ተወሳኺ ኽፍሊት የስገድዱን ከምዘለዉ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
በቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ጽዒቚ ዘሎ ኲናትን ደብዳብ ነፈርቲን ተጻቢቡ ልዑል ቁጽሪ ነባሪ እታ ከተማ ናብ ዝቐረቦ ሸነኽ ይሃድም ከምዘሎ ዘፍለጡ እቶም ምንጭታት፣ ስደተኛታት ናብ ዝደለዪዎ ቦታ ከምርሑ ኩነታቶም ዘየፍቅደሎምን ግዳይ ዝተፈላለዩ ምዝመዛታትን ሞትን ዝገብሮም ብምዃኑ ፣ ንግዜኡ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ የተሓሳስቡ ።
ነዚ ዘሎ ቅልዉላዉ መዝሚዞም ልዑል ገንዘብ ንምድላብ ኣብ ምስግጋርን ጭዉያን ስደተኛታት ናይ ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ብዝሒ ብርኡይ ይዛይድ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ካርቱም ካብ ገዝኦም እንተወጹ ደብዳባት ነፈርትን ከበድቲ ብረትን ጥራይ ዘይኮነ ብሰምሰርቲ እዉን ዝበኣሰ ሓደጋ ይጽበዮም ከምዘሎ ክርድኡ ተላብዮም።
እቲ ካብ ኤርትራዉያን ገንዘብ ብኸመይ ይምንዛዕ ጥራይ ዝሓስብ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ካርቱም ፣ ንድሕነት ዜጋታትና ዝነኣሰ ስራሕ ክዓምም ከምዘይኮነ ርጉጽ እዩ።
ወተሃደራዊ ረጽሚ ሱዳን ዕለታዊ እንዳበኣሰን ካብ ቊጺጽር ወጻኢ እንዳኾነን ይኸይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓያለ ጎረባብቲን ስግር-ባሕርን ዝኾና ሃገራት ንተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ብከዉሊ ይደጋገፋ ብምህላወን፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣብ ሓጺር እዋን ዝመሓየሽ ኣይመስልን።
ህንጻታት ከተማ ካርቱም ብነፈርቲ ኲናት ሰራዊት መንግስቲን ካብ ሓይልታት ጀነራል ሓመቲ ብዝትኮሱ ከበድቲ ብረትን ትዓኑ ምህላዋ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ባይቶ ጸጥታ ነዚ ኣሰካፊ ኩነታት ኣደብ ንምትሓዝ ሓለፍነት እኳ እንተነበሮ ፣ ቀዎምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉዳይ ነናተን ረብሓ ንዘካዉኑ ሓይልታት ይደጋገፋ ብምህላወን ኣብ ሓጺር እዋን ፍታሕ ዝሰምር ኣይመስልን።
ሩስያ ብመንገዲ እቲ ዋግነር ዝበሃል ተዓሳቢ ዕጡቕ ሓይሊ ካብ ሊብያን ጫድን ዕጡቓት ጠርኒፋ ናብ ከባቢ ዳርፉር ከምዝኣትዉ ብምግባር ንሓይልታት ጀነራል ሓመቲ ትድግፍ ኣላ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። ኣመሪካን ከም ስዑዲ፣ ኤማራትን ዝበላ ሃገራት ኣዕራብን እዉን ነቲ ሓንሳብ ናብ ምዕራብ ሓንሳብ ናብ ምብራቕ ክጸጋጋዕ ይማታእ እዩ ዝብልኦ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ይደጋገፋ ከምዘለዋ ዝትንትኑ ወገናት ኣለዉ።
ወተሃደራዊ ጎነጽ ሱዳን በዚ ዘለዎ ናህርን ግዳማዊ ምትንኻፋትን ኣብ ሓጺር እዋን ዚዓርፍ ከምዘይመስል ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ሱዳናውያን ወገናት ጉዳያቶም ባዕሎም ተቓሪቦም ክፈትሑ እንተዘይመሪጾም፣ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ዉድቀት ክትንቈት ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዮም ዘጠንቅቚ።