ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ሱዳንን ዘሎ ዝምድና ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ከምዘሎ እንዳምሰሉ ሓድሽ ግጭት ከናኽሱ ይጽዕሩ ኣለዉ ንዝበሎም ወገናት ኣጠንቂቚ።
እቲ ቀዳማይ መኒስተር ነቲ መጠንቀቕታ ዝሃበ፣ ኣል-ሱዳኒ ዝተባህለት ጋዜጣ ፣ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህልዉ ኩነታት ሱዳን መዝሚዙ ኣብ ልዕሊ ኣሰሓሓቢ መሬት ኣል-ፋሻጋ ወራር ፈጺሙ ዝብል ዜና ድሕሪ ምዉጻኣ እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ብ20 ሚያዝያ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቦ ኣብ ዘስፈሮ መተሓሳሰቢ፣ ገለ ኣካላት ንወገናዊ ረብሓ ክብሉ ኣብ መንጎ’ተን ነናተን ብድሆታት ዓጢጥወን ዘሎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓዊ ንምዝራእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ጠቒሱ ፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ናብ ዶብ ሱዳን ኣጸጊዑ ዝብል ጸለመ ፍጹም ከምትነጽጎ ኣረዲኡ።
ምስ ህዝብታት ሱዳን ንዘሎ ነባሪ ምሕዝነት ኣኽቢራ ኪትጓዕዝ ትመርጽ ኢትዮጵያ ፣ ሱዳን ኣትያቶ ንዘላ ኩነታት መዝሚዛ እትጥቀመሉ ዕድል ከምዘይህሉ ጠቒሱ፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ሕቶ ዶብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምን ኣነጺሩ።
ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ዘተ ክፈትሓ ከምእተሰማምዓ ይፍለጥ።
ናይ 1902ን 1903ን መግዛእታዊ ዉዕላት ዶብ ብኽልቲአን ሃገራት ኪኽበር ዝግድድ ስምምዕ ኣብ 1972 ከምእተኸተመ እትገልጽ ሱዳን፡ ብመሰረት ኣቶም ዉዕላት ስቡሕ ሕርሻዊ መሬት ከምዝዉንን ዝንገረሉ ኣል-ፋሽጋ ግዝኣታ ከምዝኾነ እያ ትኣምን።
ኢትዮጵያዉያን ሓረስቶት ንመሬት ኣልፋሻጋ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዘይወግዒ ኪረብሕሉ ከምዝጸንሑ እትገልጽ ሱዳን፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ፡ እዚ ማለት ኣብ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ንዝሰፍሐ ክፋል እቲ መሬት ኣብ ቊጽጽራ ኣእትያቶ ትርከብ።