ኤዉሮጳዊ ሕብረት ሕሰም ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ምብኣስ መሪሕ ተራ ይጻወት ከምዘሎ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወቒሱ።
እቲ ሕብረት ንመንግስቲን ዕጡቃት ወገናትን ሊብያ ኣማኢት ሚልዮናት ኤሮ እንዳጎንዐ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ኽምለሱን ተዳጒኖም ክሳቐዩን ይተሓጋገዝ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ሕብረት ካብዚ ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ዘየቕድም ግብረመልሳዊ ጽምዶ ተኣልዩ፡ ዘላቒ ፍታሕ ከናዲ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል፡ ካብ 2015 ዛጊት ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ ኤዉሮጳዊ ማዕከን ገንዘብ ንኣፍሪቃ ናብ ሊብያ ከምዘበለ እዩ ዝግለጽ።
ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ፡ በቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብመንገዲ ጥልያን ዝቕበልዎ ገንዘባዉን ሎጂስቲካዊም ደገፋት ተሓጊዘን፡ ኣብ ዉሽጢ ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ 80 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝመለሳ እዩ ሰነዳት ኣህጉራዊ ዉድብ ስደተኛታት ማለት IOM ዘረድእ።
ዝበዝሑ ካብቶም ተታሒዞም ዝምለሱ ስደተኛታት ናብተን ብመንግስቲን ዕጡቓት ጉጅለታትን ልብያ ዝመሓደራን ብሕሱም ኣተሓሕዛአን ዝልልየና መዳጎኒ ማእከላት እንዳተወስዱ ዝተፈላለዩ በደላት ከምዝበጽሖም እዉን ይፍለጥ።
ኣጻራዪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሊብያ ፣ ዓመት መጸ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ’ተን መዳጎኒ ማእከላት ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ናብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝቃረብ ኩሉዓይነታዊ በደላት ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ካብ ሊብያ ዝብገስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝኽተሎ ዘሎ ተሪር ፖሊሲ ከመሓይሽ ዝጠልብ ኣህጉራዊ ጻዉዒት ይዛይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብ-መዚ እቲ ሕብረት ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ሊብያ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣካየድቲ መርበባት ንግዲ ደቂ ሰብ ዘድሊ ምርመራታት ኽካየድ ዝጽውዑ ኽስታት ናብ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ኣትዮም ከምዝርከቡ ኣይርሳዕን።