ኣብ ሱዳን ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ካርቱምን ምዕራባዊ ዳርፉርን ድማ ብፍላይ ሰሙኑ ኣቚጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 400 ሰባት ኣጥፊኡን ንኣሽሕት ካልኦት ኣቚሲሉን ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ተራጸምቲ ወገናት ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ድሌት ከርእዩ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ካብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ ዝቕጽል ዘሎ ጻዉዒት ዛጊት ፍረ ከምዘይተረኽቦ እዉን ይንገር።
ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኣብ ካርቱም ብነፈርቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ጸረመጥቃዕቲ ፣ ኣጋር ሰራዊት ብምዉፋር ከደላድሎ ብምዉሳኑ እዉን ፣ ሓይልታት ሓመቲ ተቘጻሮምዎ ንዝጸንሐ ቊልፊ ከባቢታት እታ ከተማ ኪሓድግ ይርአ ከምዘሎ ሮይተርስ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ገሊጹ ኣሎ።
ገሊኦም ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ዘለዉ እዉን፣ ሓይልታት ሓመቲ ካብ 21 ሚያዝያ ጀሚሮም ንገለ ከባቢታት ካርቱም ገዲፎም ይወጽኡን ንመደኒ ገጾም ከምርሑን ከምዝተራእዩን፣ ዕላማ ናይቲ ምቅይያር ቦታ ግን ዛጊት ከምዘይተነጸረን እዩ ዝሕበር።
ሕቡራት ሃገራት ፣ ክልቲኦም ወገናት ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ን72 ሰዓታት ዝኸይድ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስጒምቲ ኪወስዱ እኳ እንተጸዉዐ፣ ወተሃደራዊ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ጻዉዒት ኣይተቐበሎን። ብኣንጻሩ ጀነራል ሓመቲ ነቲ ጻዉዒት ኪቕበሎ ተራእዩ ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ድሮ ዒድ ኣልፈጥር ምስ ኣልጀዚራ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ ሓይልታት ሓመቲ ካብ ከተማ ካርቱም ጠቕሊሎም ከይወጹ ንዝኾነ ዝርርብን ምቊራጽ ተጻብኦን ድሉው ከምዘይኮነ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ ።
ሓይልታት ሓመቲ ንሓሙሽተ ሆስፒታላትን ሓያለ ህዝባዉያን ትካላትን ከተማ ካርቱም ሒዞም ንኩሉዓይነታዊ ድሕነት ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ ሓደጋ ከውድቚ እንዳረኣና ፣ ንልዝብን ምቊራጽ ተጻብኦን ቅሩባት ክንከዉን ዝሕሰብ ኣይኮነን ዝበለ ጀነራል ኣቡርሃን፣ ጀነራል ሓመቲ ሓይልታቱ ካብ’ታ ከተማ ክሳዕ ዘይውጸ ዝካየድ ዝርርብ ይዂን ዝትግበር ምቊራጽ ተጻብኦ ከምዘየለ ኣረዲኡ።
ሓይልታት ጀነራል ሓመቲ ንሓያለ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ተቘጻጺሮም ናይ ተፍትሽ ነቚጠታት ደኲኖም ፣ ንብዙሓት ትካላት መንግስቲ ድማ ከም መናሃርያን ዕርዲን ይጥቀሙለን ምህላዎም ዝሓበረ ጀነራል ኣልቡርሃን ፣ ስራዊት መንግስቲ ነዚ ንምኽታም ወፍሩ ከጠናኽር ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ወሲኹ፣ ሰራዊት መንግስቲ ብዘይካ ንኸተማ ካርቱም ንዝሰፍሐ ከባቢታት ሱዳን ኣዉሒሱ ከምዘሎ ጠቒሱ።
ህንጻታት ከተማ ካርቱም ብነፈርቲ ኲናት ሰራዊት መንግስቲን ካብ ሓይልታት ጀነራል ሓመቲ ብዝትኮሱ ከበድቲ ብረትን ትዓኑ ምህላዋ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ባይቶ ጸጥታ ነዚ ኣሰካፊ ኩነታት ኣደብ ንምትሓዝ ሓለፍነት እኳ እንተነበሮ ፣ ቀዎምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉዳይ ነናተን ረብሓ ንዘካዉኑ ሓይልታት ይደጋገፋ ብምህላወን ኣብ ሓጺር እዋን ፍታሕ ዝሰምር ከምዘይመስል እዮም ዝእምቱ።
ወተሃደራዊ ጎነጽ ሱዳን በዚ ዘለዎ ናህሪን ግዳማዊ ምትንኻፋትን ኣብ ሓጺር እዋን ዚዓርፍ ከምዘይመስል ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ሱዳናውያን ወገናት ጉዳያቶም ባዕሎም ተቓሪቦም ክፈትሑ እንተዘይመሪጾም፣ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ዉድቀት ክትንቈት ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዮም ዘጠንቅቚ።